DW International TV

DW International TV DW International TV is managed by DW International LLC. Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited.

09/12/2025
09/12/2025

Subscribe ይግበሩ! #ፍሉይ #ምድላው #ሓዱሽ #ዓመት ምስ #ፋብሪካ #ሕሩጭ #ኤዶም ይግበሩ!©Copyright: Dimtsi Weyane Television |...

09/12/2025
09/12/2025

" ሓላፍነት ዝጎደሎ ተንኳባይን ብስም ሚዲያን ጋዜጠኝነትን ፖሎቲካዊ ብዕልግና (predominately political intent) ዘገባ ክእርሞን ኣብ ልዕሊ ነዚ ዘገባ ዘዳለዉ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድን ፤ እዚ እንተዘይተገይሩ ግን ኣድላይ ዘበለ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝግደድ ምዃኑ ክነፍልጥ ንደሊ "

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ሪፖርተር ጋዜጣ ዩቱብ ቻነል 'በመጠልያ ጣብያዎች የሚገኙ ተፈናቃዮች መንግስት በኣዲሱ ዓመት ወደ ቀያቸው እንዲመልሳቸው ጠየቁ' ዝብል ገና ኣብ ሓዱሽ ዓመት መዓልቲ 'ሀ' ኢሉ ብዕራይ ወለደን ፖሎቲካዊ ቕጥፈት ዝተመልኦን ዜና ሒዙ ወፂኡ ኣሎ።

ነዚ ኣመልኪቱ ሪፖርተር ጋዜጣ ዩቱብ ቻነል ነቶሞ ነቲ ወራር ስዒቡ ብግፍዕን መርሸንትን እናተዓጀቡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ጥንተ መረበቶም: ዕትብቶምን ኣሰር መንነቶምን ዝኾነት ሑመራ ዝተፈናቐሉ ወገናት ኻሊእ ስቓይ ብምውሳኽ ተፈጥሮኣዊ መንነቶምን ታሪካዊ ግዝኣት ርስቶምን ፍሒቑን መንጢሉን ንኻሊእ ብምሃብ: ብሚልዮን ዝቑፀሩ ተፈናቐልቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ከም ዝተፈናቐሉ ገይሩ ብምስኣልን ብምቅንብባርን ኢሉ ድማ ሑመራ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነት ገይሩ ብምቕራብን ሓላፍነት ዝጎደሎን ፖሎቲካዊ ሻጥር (political conspiracy ዝተመልኦን ዜና ኣውፂኡ ኣሎ።

እዚ ድማ ተራ ፀብፃብ ዜና ዘይኮነስ ኮነ ተባሂሉ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ንካልእ ኣካል ኣሕሊፉ ዝህብ ገበንን ተፈጥሮኣዊ መንነትን መሰልን እቶም በቲ ግፍዓዊ ወራር ግዳያት ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ዝከሓደን እዩ።
ብተወሳኺ ድማ ኾነ ተባሂሉ ብፖለቲካዊ ሽጣራ ኽልቲኡ ህዝብታት ኣብ ኣዙሪት ኩናት ምእንታን ኮለል እናበለ ክነብር ዝተፍሓሰን ነቲ ዘይናቱን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣቱ ዘይኮነን ክልል ኣምሓራ ወጋኒ ብምምሳል ናይ 'ኣይዞህ ባይነት' መንፈስ ንምቕፃል ዝዓለመ ዝመስል እኩይ ዕላማ ዝተሸከመ ዘገባ እዩ።

ኻሊእ ኣብቲ ዜና ቕርፂ ክሕዝ ዝተደለየን ክእረም ዝግበኦን ድማ 'የሰሜኑ ጦርነት' ዝብል ሓደገኛ ቅርፂ እዩ። እቲ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወለዐ እናሃለወ: ኾነ ተባሂሉ እቲ ሓቂ ንመዝባዕ 'የሰሜኑ ጦርነት' ተባሂሉ ተቐባቢኡ ቐሪቡ ዘሎ ሓደገኛን ሓሰተኛ ትርኽቲ ፈጠራን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ኹለ መዳያዊ ግፍዕን በደልን ንምንእኣስ ዝተኣነበን ዝዓለመን እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ሪፖርተር ጋዜጣ ዩቱብ ቻነል ንዘቕረቦ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተንኳባይን ብስም ሚዲያን ጋዜጠኝነትን ፖሎቲካዊ ብዕልግና (predominately political intent) ዘገባ ክእርሞን ኣብ ልዕሊ ነዚ ዘገባ ዘዳለዉ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድን እናሓበርና እዚ እንተዘይተገይሩ ግን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣድላይ ዘበለ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝግደድ ምዃኑ ክነፍልጥ ንደሊ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
መስከረም 02/ 2018 ዓ/ም
መቐለ

09/12/2025
09/12/2025
09/12/2025

Address

Washington D.C., DC
20037

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when DW International TV posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to DW International TV:

Share

Category