08/19/2025
ካብ
ብዛዕባ ብፃይ ሸዊት ቢተው ዝተወሰነ ሓበሬታ ከካፍለኩም። ብዝግባእ ኣፃርየ ጭቡጥ ዝኾነ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ እዩ።
ተጋዳላይ ሸዊት ክሃድም ረኺብናዮ፥ ክሃድም ብስለያ ተታሒዙ፥ ሚልዮናት ቅርሺ ንክወሃቦ ተደራዲሩ ገለ ዝብሉ ወግዕታት ባዕሎም እቶም ኣብ ዓፋር ዘለው ብፆት ዝፈጠርዎ ድራማ እዩ። ብዋናነት ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ ዘውረዶ ፕሮፖጋንዳ እዩ። ትማሊ ምሳኹም ኣብ ዓፋር ንዝነበረ ከምዚ ዓይነት ወፍሪ የሕዝን እዩ። ፅባሕ እውን ኣብ ባዕልኹም ክበፅሕ ከም ዝኽእል ክትርድኡ ኣለኩም ኣሕዋት። ኩላትኩም ብፆትና ኢኹም ምፅልላም ገዲፍኩም ዓድኹም እተው።
ሸዊት ቢተው ፈለማ ምስ በዓል ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ ኣፈላላያት ነይሮምዎ እዮም። ሓድሽ ዝተገበረ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ነይሩ። እዚ ዝተገበረ ሓድሽ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ሸዊት ቢተው ዋላ እኳ ተዘይደገፎ ንዘይምዕንቃፍ ኢሉ ከም ዝተቐበሎን ኮይኑ ግን ብሰራዊት ተቐባልነት ብዘይብሎም ኣዘዝቲ ኣብ ዓፋር ዘሎ ዕጡቕ ክምራሕ ምግባር ልክዕ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ እዩ። ካብ ዝነበሮ ሓላፍነት ክላዓል ብምግባር ናብ ወታደራዊ ኮማንድ ዝበሃል ኣባል ተገይሩ ክሰርሕ ምምዳቡ እውን ዘይደለዮ ዋላ እኳ እንተኾነ ኮይኑ ግን ክቕፅልን ቅሬትኡ ክዛረብን ክኢሉ እዩ። ብእዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ሞንጎ ወዲ ኣንጥሩን ሸዊት ቢተውን ኣፈላላያት ክገዱ ክኢሎም እዮም።
ኣብ ቀረባ መዓልቲ በዓል ሸዊት ናብ ሰመራ ኣኼባ ተፀዊዖም ዋላ እኳ እንተነበሩ ኮይኑ ግን ኣፈላላያት ስለዝነበሮምን ስግኣት ስለዝሓደሮምን ናብ ሰመራ ኣይንኸድን እቲ ኣኼባ ኣብ ኣብዓላ ንግበሮ ኢሎም። ኮይኑ ግን ሹፌር ተላኢኽዎም ናብ ሰመራ ኣብ ምኻድ እናሃለው ኣብ ልዕሊ ተጋዳላይ ሸዊት ቢተው መጥቃዕቲ ፈተነ ቅትለት ተፈፂሙ። ካልኦት ምስኡ ዝነበሩ ብፆቱ ድማ ተዂሲ ከፊቶም። ንሸዊት ንምድሓን ድማ ዝተወሰነ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ተገይሩ።፡ንሸዊት ምስኡ ዝነበሩ ብፆት ኣድሒኖምዎ። (26 ዕጡቓት ምስኡ ዝነበሩ)
ኮሎኔል ኢያሱ፥ ኮሎኔል ሓበን፥ በርሀ ባራኺ (ወዲ ራያ)፥ ጀነራል ወዲ አንጥሩ "ትእዛዝ ኣይንቕበልን ኢልኩም" ብዝብል ኣብ ልዕሊ ተጋዳላይ ሸዊት ስጉምቲ ክውሰድ ገይሮም እዮም። ከምቲ ዝበልክዎ ብተዂሲ ዝተደገፈ እዩ ነይሩ። ድሕሪ እዚ ተጋዳላይ ሸዊት ምስኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ካልእ ዝኸፈአ ነገር ከይፍጠር ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ናብ ካልእ ስጉምቲ ከይኣትውን ዕጥቆም ንክፈትሑን ገይሩ እዩ። ድሕሪ እዚ ተጋዳላይ ሸዊት ቢተው ምስቶም ዝተኸላኸሉሉ 26 ተጋደልቲ ክእሰር ክኢሉ ኣሎ።
ነዞም ንሸዊት ሓዊስካ 26 ተጋደልቲ ንምሓዝ በዓል ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ ካብ መከላከያ ሓገዝ ሓቲቶም እዮም። "ምስ ህወሓት ተመሻጢሮም" ብዝብል መከላከያ ንክሕግዞም ብዝሓተትዎ መሰረት መከላከያ ንሸዊትን ነቶም 26 ተጋደልትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንክውዕሉ ገይሮም።
ሐዚ ሸዊት ቢተው ምስ 26 ንፆቱ ተኣሲሩ ኣሎ።
ኣብ ዓፋር ዘለኹም ዕጡቓት ብፆት፤ ሐዚ እውን እዚ ኣካይዳ ንዓኹም፣ ንስድራኹም፣ ንህዝብኹምን ብዓብይ ድማ ንትግራይ ዘይጠቅም ምዃኑ ተረዲእኹም ናብ ዓድኹም እተው። ስርዓት ብልፅግና ናይ ትግራይ ፀገም ከጋድድ እምበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ክፈትሕን ለውጢ ከምፅእን ኣይኽእልን። ስለዚ ነዚ ብምርዳእ ናብ ዓድኹም ተመለሱ።
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩን ካልኦት ናይቶም ዕጡቓት ኣዘዝትን ዝኾንኩም፤ ትማሊ ምስ ህዝብኹም ኮይንኩም ዋጋ ዝኸፈልኩም ጀጋኑ ኢኹም። እቲ ኣሲርክምዎ ዘለኹም ሸዊት ቢተው ኮነ እቶም 26 ዕጡቓት እውን ትማሊ ምሳኹም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ጀጋኑ እዮም። እቶም ሐዚ እውን ኣብ ዓፋር ዘለው ካልኦት ዕጡቓት እውን ምሳኹም ትማሊ ዋጋ ዝኸፈሉ ጀጋኑ እዮም። ስለዝኾነ እቲ ሒዝክምዎ ዘለኹም መንገዲ ንኣብይ ኣሕመድን ብልፅግናን እምበር ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ከም ዘይኮነ ተረዲእኹም ነቶም ዝኣሰርክምዎም ፍትሕዎም። ነቶም ዝተረፉ ድማ ሒዝክምዎም ዓድኹም እተው።
ትማሊ ምሳኹም ዋጋ ዝኸፈሉ ተጋዳልቲ ንሸዊት ቢተው ሓዊሱ ፍትሕዎም። ኣብዚ ዘለዋ ወለዶምም ስድርኦምን ወሲኽኩም ኣይተድምይወን። ግደፉ።
Credit Fetawi Lewuti