Mekelle Media 1

Mekelle Media 1 Stop Genocide on Tigray Media and Communication

03/24/2026
Lets Support our Activities !!
03/24/2026

Lets Support our Activities !!

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብብዙሓት ትፍለጥ ሰናይት መብርሃቱ ምስ 4ተ ካልኦት ተጠርጠርቲ ተኸሲሳ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበት ተሓቢሩ።ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እትፍለጥ ሰናይት መብርሃቱ ብፖሊስ ክፍለ ከተማ...
03/19/2026

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብብዙሓት ትፍለጥ ሰናይት መብርሃቱ ምስ 4ተ ካልኦት ተጠርጠርቲ ተኸሲሳ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበት ተሓቢሩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እትፍለጥ ሰናይት መብርሃቱ ብፖሊስ ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓለት ዝገልፁ ሓበሬታታት ሎሚ 09 መጋቢት 2018 ዓ.ም ኣጀንዳ ማሕበራዊ ሚድያ ኮይኑ ውዒሉ እዩ።

ሎሚ ኣማሽዩ ላንዳ ሪፖርት ነዚ ሓበሬታ ኣፃርዩ ውዕሎ ቤት ፍርዲ እውን ኣካቲቱ ብዝወፅኦ ሓበሬታ ሰናይት መብራህቱ ምስ ካልኦት 4 ውልቀ ሰባት ማለት እውን ተኽለሃይማኖት ገብረስላሰ ፣ ዮሴፍ ግርማይ ፣ ዮሃንስ ገብረየሱስን ዛይድ ፃዲቕ ዝተብሃሉ ሰኒ 07 መጋቢት 2018 ዓ.ም ኣብ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከምዝተኣሰሩን ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡን ሓቢሩ።

ከምፀብፃብ ላንዳ ሪፖርት ንሰናይት መብርሃቱ ሓዊሱ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክፍለ ከተማ ሓድነት ዝቐረቡ እንትኸውን ብፖሊስ ዝቐረበ ክሲ ድማ ብምትላልን ቼክ ብምጭብርባርን ዝብል ኮይኑ ተኸሰስቲ 13 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ኣሸናፊ ወልዱ ንዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከባቢ ምድረገነት መንግስቲ ዘይፈልጦን ዘይሓዞን 10 ሽሕ ካሬ ሜትር መሬት ክነውህበካ ኢና ብምባል 16 ሚልየን ብር ከምዝተቐበሉዎ ንመእመኒ ድማ ብፕሬዚደንት ታደሰ ወረደ ዝተፅሓፈን ዝተፈረመን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሪዚደንት ዝወፀ ደብዳቤ ከምዝሃቡዎ ብተወሳኺ ድማ ሒሳብ ዘይብሉ ቼክ (ደረቕ ቼክ) ከምዝፀሓፉ ተገሊፁ።

ተኸሳሲት ዛይድ ፃዲቕ ናይ 8.2 ሚልየን ብር ቼክ ብምፅሓፍ ዝተኸሰሰት እንትኸውን ሰናይት መብርሃቱ ሓዊሱ 4ቲኦም ተኸሰስቲ ብምትላል ኽሲ ቐሪቡሎም ኣሎ።

ፖሊስ እቶም ተጠርጠርቲ ብወሓስ እንተወፂኦም ሰነድ ከጥፍኡን ክስወሩን ስለዝኽእሉ ብተወሳኺ ድማ ካልኦት 3 ስሞም ዘይተጠቐሰ ተኸሰስቲ ስለዘለዉ ንእኦም እውን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ናይ 14 መዓልቲ ግዜ ቖፆሮ ይወሃበኒ እንትብል እቶም ተኸሰስቲ ብወገኖም ናይ ቖፆሮ ግዜ ይሕፀረልና ክሲ እውን ብቃል እምበር ብፅሑፍ ስለዘይቐረበልና ብፅሑፍ ይወሃበና ክብሉ ንቤት ፍርዲ ሓቲቶም። ተኸሳሲት ዛይድ ፃዲቕ ብወገና ኣብ ናይ ደርሆ ምርባህ ቢዝነስ ከምዘላን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተፀኒሓ ብዙሕ ነገር ከምዝበላሸዋ ብምግላፅ ክሳ ኣብ ደገ ኮይና ንክተከላከል ዘቅረበቶ ህቶ ተቀባልነት አይርእኸበን

ኹሎም ክዓትዉ እዮም

03/19/2026

Address

Washington D.C., DC
22204

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mekelle Media 1 posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Mekelle Media 1:

Share