03/14/2025
ብምኽንያት ዓለምለኸ ማዕልቲ ደቀኣንስትዮ ንኽልተ ኣብዚ መዳይ ብንጡፍ ዝዋስኣ ዓዲምና ኣሎና። ኣጋዪሽና ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት እትነጥፍን ኣብ ምርምርን መፅናዕትን ዝተዋፈረት ሜሮን እስጢፋኖስን መስራቲትን ዳይረክተርን ማእከል ምብቃዕ ደቀንስትዮ (Rise and Shine) ሰላማዊት ግደይን'የን። ንምክትታል መላግቦ ሰዓቡ፤
ድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቋንቋ ትግርኛ መዓልታዊ ናይ ፍርቂ ሰዓት ፈነወ የቕርብ።
330 Independence Avenue SW
Washington D.C., DC
20237
Be the first to know and let us send you an email when VOA Tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.
Send a message to VOA Tigrigna:
ድምጺ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ዜና ኮይኑ፡ ፈነውኡ ነቶም ውሱን ወይ’ውን ፍጹም ነጻ ፕረስ ዘይብሎም ከባቢታት ብ45 ቋንቋታት የመሓላልፍ። ኣብ 1942 ዓ.ም ዝተመስረተ ድምጺ ኣሜሪካ፡ ሰፊሕን ነጻን ሸፈነ ይህብ፡ ንሰማዕቲ ድማ ነታ ዘላ ሓቂ ይነግር።ድምጺ ኣሜሪካ አካል ናይ ኣሜሪካ ኤጄንሲ ዓለምለኻዊ ሜድያ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ብኣሜሪካውያን ከፈልቲ ግብሪ ዝምወል’ዩ።
ተልእኾን ዘይሻራዊነትን ድምጺ ኣሜሪካ፡ ንጋዜጠኛታት ካብ ጽልዋ፡ ጸቕጢ፡ ሕነ ምፍዳይ መንግስታትን ፖለቲከኛታትን ዝከላከል ፡ውሕስነት ዝህቦ ሕጊ ኣለዎ።
ኣብ 1976 ፕረዚደንት ጀራልድ ፎርድ ክታሙ ዘንበረሉ ቻርተር ድምጺ ኣሜሪካ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡-
1.ድምጺ ኣሜሪካ ቀጻልነት ዘለዎ ተኣማንነትን ኣብ ጭብጢ ዝሰረተን ምንጪ ዜና ኮይኑ ከገልግል’ዩ። ዜና ድምጺ ኣሜሪካ ቅኑዕ፡ ውድዓዊን ምሉእነት ዝሓዘን ይኸውን።