Tigrai Media House

Tigrai Media House TMH is a media organization delivering news, information, and entertainment to the Tigray community and beyond.
(215)

TMH provides accurate, timely coverage of regional events via TV and digital platforms, promoting understanding and engagement Tigrai Media House (TMH) is a 501 C legally registered non-for-profit organization media platform designed to inform, inspire and engage the people of Tigray.

ብሃገር ብርኪ ዘለው ሕጋዊ ማዕቐፋት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ትካላትና ዘሎ ኣፈፃፅማን ዝድህስስ መመያየጢ ፅሑፍ ብመምህር ዩንቨርስቲ መቐለ ኣይተ ኣብርሃ መሰለ ሎሚ ባሕቲ ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ...
12/10/2025

ብሃገር ብርኪ ዘለው ሕጋዊ ማዕቐፋት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ትካላትና ዘሎ ኣፈፃፅማን ዝድህስስ መመያየጢ ፅሑፍ ብመምህር ዩንቨርስቲ መቐለ ኣይተ ኣብርሃ መሰለ ሎሚ ባሕቲ ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኸበረ መበል 77 ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ 👇👇👇

TMH - "ሕጋዊ ማዕቐፋት ሰብኣዊ መሰልን ትካላትናን እንታይ ይመስሉ?" ብመምህር ዩንቨርስቲ መቐለ ኣይተ ኣብርሃ መሰለ ዝቐረበ መመያየጢ ፅሑፍ...

ዓለምለኸ ቃልኪዳን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝፀደቐሉ መዓልቲ መበል 77 ዓመት "ሰብኣዊ መሰላት መዓልታዊ ዋኒናትና እዮም" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ባሕቲ ታሕሳስ 2018 ዓ/...
12/10/2025

ዓለምለኸ ቃልኪዳን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝፀደቐሉ መዓልቲ መበል 77 ዓመት "ሰብኣዊ መሰላት መዓልታዊ ዋኒናትና እዮም" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ባሕቲ ታሕሳስ 2018 ዓ/ም እንትኽበር ዝተሰምዑ ረዘንቲ መልእኽታት 👇👇👇

TMH - "ማ/ሰብ ዓለም ዝኣተዎ ቃልኪዳን ኣይተኸበረን" ፕ/ት ላ/ቤት ፍርዲ ትግራይ መንግስቱ ተኽላይ - መበል 77 ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ ሰ...

12/10/2025

We are at UAE 🇦🇪 Embassy to ask them to stop sending drones to kill innocent people in Tigray Enough #ትግራይ

‎ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ንህንፀት ሰላም ‎‎"ሰብኣዊ መሰላት መዓልታዊ ዋኒናትና እዮም" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓለምለኸ ስምምዕነት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝፀደቐሉ መዓልቲ መበል 77...
12/10/2025

‎ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ንህንፀት ሰላም

‎"ሰብኣዊ መሰላት መዓልታዊ ዋኒናትና እዮም" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓለምለኸ ስምምዕነት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝፀደቐሉ መዓልቲ መበል 77 ዓመት ተኸቢሩ።

‎ኣብቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ፕሬዝዳንት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ኣይተ መንግስቱ ተኽላይ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ቅድሚ 77 ዓመት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ዝኣተዎ ሰነድ ቃል ኪዳን ክሳብ ሐዚ ከምዘይትግበር ዘሎ ገሊፆም።

‎ንኣብነት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጅምላ ጨፍጫፍ፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ወራር ሃፍትን ካልኦትን ዘካተተ ገበን ጀኖሳይድ ከምዝተፈፀመ ብምሕባር ሰብኣዊ መሰላት ብቐፃልነት ክኽበርን ደቂ ሰባት ተረባሕቲ ንምግባርን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ኣካላትን ኩሉ ህዝብን ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋፅ ክሰርሕ ፀዊዖም።

‎እቲ መድረኽ ዘዳለወ ትካል ጩራ ኣቦጊዳ ስራሕ መካየዲ ኣይተ ቢንያም ናደዉ ብወገኖም ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት እንትነኽብር ዓለም ዝኣተወቶን ዝፈረመቶን ሰነድ ቃል ኪዳን ንምዝኽኻርን ንተግባራዉነቱ ንምስራሕ ዘኽእል ምልዕዓል ንምፍጣር እዩ ኢሎም።

‎ትግራይ ሚድያ ሃውስ (TMH) - 01 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

Press release on International Anti-Genocide DayDecember 9, 2025As the world marks the tenth anniversary of the UN’s Int...
12/09/2025

Press release on International Anti-Genocide Day

December 9, 2025

As the world marks the tenth anniversary of the UN’s International Day of Commemoration and Dignity of the Victims of Genocide, it is deeply saddening that the international community has failed to uphold the promise of “Never Again”, witnessing genocide unfolding against the people of Tigray. Today, we honor the victims of the Tigray Genocide by upholding the truth and refusing to remain silent.

It is to be recalled that the Genocidal war against the people of Tigray emerged in November 2020. Accordingly, the Commission of Inquiry on Tigray Genocide (CITG) has documented extensive evidence that proves the genocidal acts, including massive mass killings, widespread sexual and gender based violence, forced displacement, and deliberate denial of means of survival.

According to the CITG report, 286,250 of 481, 201 respondents have survived at least one form of gender based violence. 152,108 of 286,250 participants, that constitute 53.14% of the GBV have survived r**e. 70% of the r**e survivors who were willing to report the number of perpetrators suffered gang r**es. Among them, 975 were burned by chemicals and 529 were killed during the assault. Besides, millions of Tigrayan civilians have been subjected to deliberate and brutal killing, body injury, displacement, and torture. Millions remain in makeshift camps, struggling for the safe and dignified return to their homes.

Although large-scale active fighting has ceased following the Cessation of Hostilities Agreement in November 2022, the systematic denial of means of survival continues against the large-scale displacement of communities. Thousands of public and private health facilities, schools, micro and large business enterprises, public infrastructure, basic household facilities, etc have been intentionally damaged. In terms of monetary value, at least a total of 146 Billion US Dollar damage and loss has been registered. Such coordinated systematic destruction justifies the intentional denial of means of survival to the people of Tigray.

On this occasion, we call for concrete action in line with international obligations. A genuinely independent, victim-centered justice process is essential to ensure accountability for all international crimes committed. The voluntary and safe return of displaced communities must be prioritized, alongside the restoration of humanitarian access and the rebuilding of vital services. The “Never Again” promise of international community demands immediate and coordinated measures to protect vulnerable populations and restore the rights of the Tigrayan People.

As we observe Anti-Genocide Day for this year, we reaffirm that remembrance must lead to action. The people of Tigray deserve real truth, justice, and dignity. By confronting the failures that allowed genocide to occur during a decade dedicated to its prevention, we strengthen our collective determination to ensure that “Never Again” becomes a promise fulfilled, not a pledge repeated in regret.
For more visit https://citghub.org/

Press Release from Salsay Weyane TigrayThe prompt restoration of constitutional order in Tigray is a necessary precondit...
12/08/2025

Press Release from Salsay Weyane Tigray

The prompt restoration of constitutional order in Tigray is a necessary precondition for holding free and fair elections. Tigray’s autonomous statehood is a non-derogable right safeguarded by the FDRE Constitution, irrespective of the form of administration in place—whether an interim government or an elected one.

At present, the emphasis on conducting elections stands in stark contrast to the absence of meaningful steps toward fulfilling the government’s fundamental obligations: withdrawing occupying forces from Western Tigray and ensuring the safe, dignified, and voluntary return of displaced persons and refugees. While the people of Tigray aspire to elect their leaders in accordance with the national election schedule, this goal cannot be realized unless and until the Government of Ethiopia ceases its continued violations of Tigray’s constitutional status.

We therefore urge the government to meet its minimum obligations necessary to create enabling conditions for the upcoming general election. We also call on all stakeholders—particularly Tigrayan political actors—to play a constructive and responsible role in this regard.

Salsay Weyane Tigray
December 8,2025
Me'qelle,Tigray

ፕሬዚዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብን (Water-Energy-Food Nexus) ጠሚቱ ክሰርሕ ምስ ዝተጣየሸ ቴክኒካል ኮሚቴ ሎሚ ሰንበት  28 ሕዳር 2018 ዓ/ም ዘተ ...
12/07/2025

ፕሬዚዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብን (Water-Energy-Food Nexus) ጠሚቱ ክሰርሕ ምስ ዝተጣየሸ ቴክኒካል ኮሚቴ ሎሚ ሰንበት 28 ሕዳር 2018 ዓ/ም ዘተ ኣካይዶም።

‎እዚ ቴክኒካል ኮሚቴ /Task force/ ካብ መፅናዕቲ ዲዛይን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ፣ ቢሮ ማይ ሃፍቲ፣ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን፣ መቐለ ዩኒቨርስቲ፣ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻን ካልኦት ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ዘካተተ ኮይኑ፣ ዝተውሃቦ ዕማም ካብ 2 ክሳብ 4 ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ዛዚሙ ክቕርብን፣ ሓዱሽ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ማይን ኢነርጅን ንምጥያሽ ዘኽእል ውሳነ ሓሳብ ከቕርብን መምርሒ ተዋሂብዎ ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ።

‎ትግራይ ሚድያ ሃውስ (TMH) 28 ሕዳር 2018 ዓ/ም

"ድሕሪ ዘጋጠመ ኩለመዳያዊ ዕንወትን ሃሰያን ብሰብሞያ ዝተጣየሸ ዘመናዊ ሆስፒታል ምርካብና ንትግራይ ዓብዩ ፀጋ እዩ" ኣይተ ሃፍቱ ውሬታ  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብልዕሊ 30 ስፔሻሊስታትን ሳብስፔ...
12/07/2025

"ድሕሪ ዘጋጠመ ኩለመዳያዊ ዕንወትን ሃሰያን ብሰብሞያ ዝተጣየሸ ዘመናዊ ሆስፒታል ምርካብና ንትግራይ ዓብዩ ፀጋ እዩ" ኣይተ ሃፍቱ ውሬታ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብልዕሊ 30 ስፔሻሊስታትን ሳብስፔሻሊስትን ሰብሞያ ሕክምና ተጣይሹ ግልጋሎት ምሃብ ዝጀመረ ሆስፒታል ሻሎም ቀዳማይ ዓመት በዓል ምስረትኡ ኣኽቢሩ።

‎መካየዲ ስራሕ መ.ሆስፒታል ሻሎም ኣይተ ዘልኣለም ደስታ፣ እቲ ሆስፒታል ከም ውልቀ ትካል ጥዕና ማሕበራዊ ግልጋሎት ብምሃብ ፣ ፀገም ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ምቅላልን መማረፂ ዘመናዊ ግልጋሎት ኣብ ምቕራብ ከምኡውን ኣብቲ ዘርፊ ዝተዋፈሩ ሰብሞያ ኢኮኖሚዊ ተረባሕነቶም ንምዕባይ ዕላማታት ተሓንጊጡ ጉዕዞ ሓደ ዓመት ከምዝጀመረ ገሊፆም።

‎ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣይተ ሃፍቱ ውሬታ፣ ትግራይ ብጀኖሳይዳዊ ኵናት ድሕሪ ዘጋጠማ ኩለመዳያዊ ዕንወትን ሃሰያን ብሰብሞያ ዝተጣየሸ ዘመናዊ ሆስፒታል ምርካብና ንትግራይ ዓብዩ ፀጋ ከምዝኾነ ገሊፆም።

‎እቲ ሆስፒታል ምስ ዝህቦም ሰፋሕቲ ግልጋሎታት ሕክምና እንትረአ ናይ ቦታ ፅበት ከምዘለዎም ተዓዚብና ኢና ዝበሉ ኣይተ ሃፍቱ ውሬታ፣ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ዓይደር ዘለዎም ናይ ቦታ ፅበት ይኹን ካልኦት ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ብዝኸኣልናዮ ክንሕግዝ ኢና ኢሎም።

‎ሆስፒታል ሻሎም ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዝኡ ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ ዳይሬክተር ቦርድ እቲ ሆስፒታል ወ/ሃዋርያት ወልዱ፣ ዘመናዊ መሳርሕታት ብምትእትታው ብስፔሻሊስት ሓካይም ዕውት ስራሕቲ ከምዝተሳለጠ ብምግላፅ፣ ኣብቲ ዓውዲ ዓብዩ ፈተና ኮይኑ ዘሎ ፍልሰት ሓካይም ከምዝኾነን ናይ ክፍሊ ፅበትን ንምስፍሕፋሕ ዘይጥዕም ናይ መስርሒ ቦታ ዓብዩ ፀገም ከምዝኾኖም ገሊፆም።

‎ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ዶ/ር ስምኦን ገ/ፃዲ፣ ኣብ ዘፈር ግልጋሎት ሕክምና ዘሎ ሰፊሕ ፀገም ግልጋሎት ኣብ ምምላእ ውልቀ ትካላት ጥዕና ንሕብረተሰብ መማረፂ ግልጋሎት ክረክብ ብምግባር ዓብዩ ግደ ከምዘለዎን ዝገለፁ ኾይኖም፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፍልሰት ሰብሞያ ኣብ ምንካይ ተወሳኺ እቶት ክረኽቡ ብምግባር ውልቀ ትካላት ዝህልወን ግደ ንክጠናኸር ከም ቢሮ ጥዕና ትፅቢት ዝግበረልና ኹሉ ድጋፍ ክንገብር ኢና ኢሎም።

‎ትግራይ ሚድያ ሃውስ (TMH) 28 ሕዳር 2018 ዓ/ም

‎ኣብ ሃገረ ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ተጋሩ ተነድባ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ግዳያት ሓቢሮም።‎‎እቲ ሓደጋ ባርዕ ሎሚ 25 ሕዳር 2018 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:00 ዘጋጠመ ኮይኑ ብርክት ...
12/04/2025

‎ኣብ ሃገረ ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ተጋሩ ተነድባ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ግዳያት ሓቢሮም።

‎እቲ ሓደጋ ባርዕ ሎሚ 25 ሕዳር 2018 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:00 ዘጋጠመ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ገዛውቲ ከምዝተቓፀን ንብረታት ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ከምዝኾኑን ተፈሊጡ።

‎ዛጊድ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝበፀሐ ሓደጋ እኳ እንተዘይተፈለጠ እቲ ሓደጋ ባርዕ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ሰለዘይክኣለ ዝምልከቶም ኣካላት ተወሳኪ ህፁፅ ሓገዝ ክገብርሎም ፀዊዖም።

‎ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ማእከላት መዕቖቢ ተጋሩ ተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ዝዝከር እዩ።

‎ብሰንኪ መንነቶም ካብ ዓዶምን መረበቶምን ብሓይሊ ዝተሰጎጉ ልዕሊ 70 ሽሕ ስደተኛታት ተጋሩ ኣብ ሱዳን ዝተፈላለያ ማእከላት መዕቆቢ ኣዕቒቦም ብጥምየትን ሕማምን ይረግፉ ከምዘለው ዝፍለጥ እዩ።

‎እቲ እንኮ መፍትሒ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ መረበቶም ምምላስ ከምዝኮነ ድማ ተደጋጋሚ ፃውዒታት እናቀረቡ መፂኦምን ኣለውን ክብል ድምፂ ወያነ ፀብፂቡ።

‎ትግራይ ሚድያ ሃውስ (TMH) 25 ሕዳር 2018 ዓ/ም

እዋናዊ መግለፂ ቅዋም ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግድን ማሕበራትን ትግራይ ሙሉእ ትሕዝቶ 👇👇👇 ‎‎
12/04/2025

እዋናዊ መግለፂ ቅዋም ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግድን ማሕበራትን ትግራይ ሙሉእ ትሕዝቶ 👇👇👇

TMH - ፖለቲካዊ ውሳነ ዝጠልብ ሕቶ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ እንታይ እዩ? ሓበራዊ መግለፂ ኣብያተ ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ንግድን ትግራይ 2...

ዘይተፈትሐ ሕቶ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ውሳነ ክግበረሉ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ፀዊዖም።‎‎ብፌደራል መንግስቲ ዝወፀ...
12/04/2025

ዘይተፈትሐ ሕቶ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ውሳነ ክግበረሉ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ፀዊዖም።

‎ብፌደራል መንግስቲ ዝወፀ ሓዱሽ ኣዋጅ ግብሪ እዋናዊ ኩነታት ነጋዳይን ኢኮኖሚን ትግራይ ኣብ ግምት ዉሽጢ ዘይእተየ ብምዃኑ ተግባራዊነቱ ደው ክብል እተን ኣብያተ ምኽሪ ሎሚ 25 ሕዳር 2018 ዓ/ም ንሚድያታት ኣብ ዝሃብኦ ሓበራዊ መግለፂ ፀዊዐን።

‎መግለፂ እተን ኣብያተ ምኽሪ ብሰንኪ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ንምንቅቓሕ ብምዕላም ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብ ዝተገበረ ዘተ ሕቶታት ነጋዳይ ትግራይ ፍትሓዊ ምዃኑ ኣሚኖም " ኣብ ቐረባ እዋን መፍትሒ ክዋሃበኩም እዩ " ዝብል መልሲ ተዋሂብዎም ዝነበረኳ እንተኾነ እቲ ዝተኣተወ መፅበዓ ከምዘይተተግበረ ገሊፆም።

‎ብተወሳኺ ኣብ ቐረባ እዋን ዝወፀ ኣዋጅ ግብሪ 1395/2017 ንኩነታት ትግራይ ዘየገናዘበ ብምዃኑ ነጋዶ ትግራይ ዘይተዛይሉን እዋናዊ ኩነታት ነጋዳይን ዝተሃሰየ ዘፈር ቁጠባን ዘየገናዘበ ብምዃኑ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትግበራ እቲ ኣዋጅ ጠጠው ከብሎ ፀዊዖም።

‎ሕቶታት ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ፖለቲካዊ ትሕጃ ክኸውን ኣይግባእን ዝበለ መግለፂ እተን ኣብያተ ምኽሪ ሕቶታት ነጋዶን ኢኮኖሚን ትግራይ ብህፁፅ ክፍትሑ ይግባእ ኢሎም።

‎ሙሉእ ትሕዝቶ መግለፂ እተን ኣብያተ ምኽሪ ክነስዕብ ኢና
‎ትግራይ ሚድያ ሃውስ (TMH) 25 ሕዳር 2018 ዓ/ም

‎ፕረዝደንት ለ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ማሕበራዊ፣ቁጠባውን ፓለቲካውን ተሳትፎን ተጠቃምነትን ጉድኣት ኣካል ንምዕባይ ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።‎‎ብብርኪ ሃገር ንመበል 33 ግዘ ኣብ ከተማ ...
12/03/2025

‎ፕረዝደንት ለ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ማሕበራዊ፣ቁጠባውን ፓለቲካውን ተሳትፎን ተጠቃምነትን ጉድኣት ኣካል ንምዕባይ ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

‎ብብርኪ ሃገር ንመበል 33 ግዘ ኣብ ከተማ መቐለ ይኽበር ኣብ ዘሎ መዓልቲ ጉድኣት ኣካል ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ጉድኣት ኣካል ዘየሳተፈ ልምዓት ክዕወት ስለዘይኽእል ኹለመዳያዊ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ጉድኣት ኣካል ንምዕባይ ኩሉ ሕ/ሰብ ዝከኣሎ ሓገዝ ክገብር ፀዊዖም።

‎መዓልቲ ጉድኣት ኣካል መሰልን ድሕንነነትን ጉድኣት ኣካል ንክሕሎ በቢ ዓመቱ ዝኽበር ምኳኑ ብምሕባር ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ፓለቲካውን ተሳትፎን ተጠቃምነትን ጉድኣት ኣካል ንምርግጋፅ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

‎ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ከም ዝገለፅዎ ብምፍላጥ ይኹን ብዘይምፍላጥ ኣብ ልዕሊ ጉድኣት ኣካል ዝበፅሕ ፅዕንቶ ንምቅላልን ኩለመዳያዊ ተሳትፎኦምን ተጠቃምነቶምን ንምዕባይን መንግስታዊ ትካላት ምችው ኩነታት ንምፍጣር ብትኹረት ክሰርሑ ይግባእ።

‎ኵናት ኣብ ልዕሊ ጉድኣት ኣካል ዘብፅሖ ሃሰያ ዝለዓለ እዪ ዝበሉ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተጀመረ ሃዋህው ሰላም ቀፃሊ ንምግባር ግዝኣታዊ ወሰን ትግራይ ክረጋገፅን ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱን ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ደላይ ሰላም ክድግፎ ዝግባእ እዪ ኢሎም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት ፀብፂቡ።

‎ ትግራይ ሚድያ ሃውስ (TMH) 24 ሕዳር 2018 ዓ/ም

Address

Washington D.C., DC

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai Media House posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigrai Media House:

Share

Tigrai Media House (TMH)

Tigrai Media House is a 501 C legally registered non-for-profit organization media platform designed to inform, inspire and engage the people of Ethiopia. Reaching people through high-standard, high-quality and high impact multimedia content available in different formats such as satellite and streamed television, digital media, social media etc. TMH recognizes and appreciates the efforts that citizens make each day in building a better Ethiopia for all people. TMH strives to empower disadvantaged groups such as women, youth and people with disabilities etc. Working within collaboration of all people to enlighten, educate and strengthen citizens in order to expose corruption and to create unity between neighboring countries.