Tigrai Media House

Tigrai Media House TMH is a media organization delivering news, information, and entertainment to the Tigray community and beyond.
(215)

TMH provides accurate, timely coverage of regional events via TV and digital platforms, promoting understanding and engagement Tigrai Media House (TMH) is a 501 C legally registered non-for-profit organization media platform designed to inform, inspire and engage the people of Tigray.

The Tigray People’s Liberation Front (TPLF) "urgent call for immediate humanitarian intervention"
12/31/2025

The Tigray People’s Liberation Front (TPLF) "urgent call for immediate humanitarian intervention"

‎ውድብ ወለዶ ትግራይ ኣብ ብሄራዊ ጉዳያት ትግራይ ዝጠመተ ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ሓቀኛን ብሄራዊ ዘተን ልዝብን ምክያድ ቁልፊ መዋፅኦ ትግራይ ከምዝኾነ ገሊፁ።‎‎ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) እ...
12/29/2025

‎ውድብ ወለዶ ትግራይ ኣብ ብሄራዊ ጉዳያት ትግራይ ዝጠመተ ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ሓቀኛን ብሄራዊ ዘተን ልዝብን ምክያድ ቁልፊ መዋፅኦ ትግራይ ከምዝኾነ ገሊፁ።

‎ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቡ ሎሚ 20 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
‎ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ ዕላማ ምስረታ ውድብ ወለዶ ትግራይ ፣ ህልዊ ኩነታት ትግራይ፣ መርገፂ ቅዋም ብሄራዊ ዘተ፣ ትግራይን መረፃን ፣ መዋፅኦ ብሄራዊ ሓደጋ ህልውና ትግራይ ኣመልኪቶም ፕረዝደንት ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣይተ ጉዕሽ ግደይ መብርሂ ሂቦም።

‎ውድብ ወለዶ ትግራይ "ፓርቲ ዝመርሖ መንግስቲ ባህሊ ፖለቲካ ትግራይ" ንምቕያር፣ ስርዓታውን መዋቕራውን ፀገም ትግራይ ንምፍታሕ፣ ኣፈላላይ ሓሳብ ከም ሃፍቲ ንምውሳድ ዓሊሙ ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

‎ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣላ ዝበሉ ኣይተ ጉዕሽ ግደይ ብሄራዊ ክብርና እናተሸርሸረ፣ ብሄራዊ ሓድነትና እናላሕለሐ ፣መሬትና ተቆራሪሱ ንግዳማውን ውሽጣውን ተቃላዕነትና ዛይዱ ይርከብ ኢሎም።

‎ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምክያድ ኣብ ዘይከኣለሉ ኩነታት ንርከብ ዝበሉ ፕረዝደንት እቲ ውድብ ብሄራዊ ሰረታት ትግራይ ላሕሊሖም ብጭቡጥ ናይ መንግስቲ ሓጓፍ ኣጋጢሙ ይርከብ ኢሎም።

‎ቁጠባዊ ኩነታት ትግራይ ዓንዩ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ኣብ ዘይተጀመረሉ ኩነታት ንርከብ ብምባል "ስርዓታውን ትካላውን" ሒዙ ዝበልዎ ምዝመዛን ስርቅን መኣድናት ሐዚ'ውን ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።

‎ብሙሉእነት ንዘይምትግባር ሰለስተ ዓመት ዘቑፀረ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንፈረምቲ እቲ ውዕሊ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዓንቀፍትን ተሓተትን እዮም ብምባል ከሲሶም።

‎ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሓጓፍ መንግስቲ ንምምላእ መረፃ ምክያድ ኣድላዪ ዋላኳ እንተኾነ ብቐዳምነት ክማልኡ ዘለዎሞ ረቛሕታት ዘርዚሮም።

‎ነፃ ፍትሓዊ ሕጋውን ሰላማውን መረፃ ንኽካየድ ብሄራዊ ዘተ ብምስላጥ ፈለማ ኣብ ብሄራዊ ስምምዕ ምብፃሕ ቀፂሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምብሓዱሽ ምጥያሽ፣ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ዕጡቕ ነፃ ክኸውን ምግባር የድሊ ክብሉ ገሊፆም።

‎ካብዚ ብተወሳኺ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክረጋገፅ፣ ተመዛበልትን ዝተሰደቱን ተጋሩ ውሕስንኦም ተማሊኡ ናብ መረበቶም ምምላስ ፣ ምውፃእ ወረርቲ ሓይልታት፣ ንመረፃ ኣድለይቲ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ምምላእ ግድን ከምዘድሊ ኣይተ ጉዕሽ ግደይ ነፂሮም።

‎ኣብ ብሄራዊ ጉዳያት ትግራይ ዝጠመተ ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ብሄራዊ ዘተን ልዝብን ምክያድ ቁልፊ መዋፅኦ ትግራይ ምኳኑ መርገፂ ውድቦም ዘፍለጡ ኣይተ ጉዕሽ ግደይ ተሳትፎ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ዘረጋግፅ ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ብሓዱሽ ክጣየሽ ፀዊዖም።

‎እናተላዘብናን እናተዛተናን እምበር እናተደፋፋእናን እናተረሓሓቕናን እንፈትሖ ፀገም ኮነ እነድሕኖ ብሄረ ትግራይ የለን ብምባል ድሕነት ትግራይ ኣብ ምስፋሕ ዲሞክራሲ ዝረጋገፅ ምኳኑ ኣገንዚቦም።

‎ንትግራይ ዘሰጋግር ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ጠሚቱ ኩሎም ብሄራዊ ሓይልታት ዝሳተፉሉ ካብ ቂምን ፅልእን ፖለቲካዊ ሸፈጥን ነፃ ዝኾነ ሓቀኛ ብሄራዊ ዘተ ምክያድ ከምዘድልን ውድቦም ከምዝድግፍን ብምግላፅ፣ ኣፈላላይ ሓሳብ መማረፂ ሃፍቲ ብምኳኑ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣብ ብሄራዊ ጉዳያት ሓቢሮም ክሰርሑ ተላብዮም።

‎ረብሓታት ትግራይ ንምርግጋፅ ትሕቲ ኲናት ብመሰረት ሕገመንግስትን ውዕሊ ፕሪቶርያን ምስ መንግስቲ ፌደራል ሓቢርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ድማ ኣመላኺቶም ክብል ድምፂ ወያነ ፀብፂቡ።

‎TMH - 20 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም‎

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይካብ ምውቕን ምችውን ቤቱን መረበቱን ተፈናቒሉ ኣብ 'መዕቖቢ ጣብያታት' ዘሎ ህዝብና ሐዚ እውን ዝበፅሖ ዘሎ ስቓይን ሞትን ብዝለዓለ መጠን ተጋፊሑ ህይወት ደቂ ብሄ...
12/29/2025

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ካብ ምውቕን ምችውን ቤቱን መረበቱን ተፈናቒሉ ኣብ 'መዕቖቢ ጣብያታት' ዘሎ ህዝብና ሐዚ እውን ዝበፅሖ ዘሎ ስቓይን ሞትን ብዝለዓለ መጠን ተጋፊሑ ህይወት ደቂ ብሄረ ትግራይ ከም ብዋዛ እናበለዐ ይቕፅል ኣሎ።

ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ርብርብ ዝንእድ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ብዓብይኡ ናብ ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ዝጥምት ውሕስናን ክብርን ህዝብና ብዘረጋግፅ መንገዲ ተፈናቐልትና ናብ ቤቶም ኣብ ዝምለስሉን ግዝኣት ትግራይ ኣብ ዝኽበረሉን ዕማም፡ ኹሉ ሰሚሩ ፅዕንትኡ ከበርኽ ግቡእን ግድንን ከምዝኾነ ድማ ይኣምን።

ብተበግሶ ወለንታውያን ዝተገበረ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ስዒቡ፡ እከይ ኽልከላ ንዝፈፀመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኹንን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ እዚ እከይ ግብሪ ሐዚ እውን ትግራይ ብጥሜት ናይ ምቕፃዕን ምድቃቕን ፖሊሲ 'ኣራት ኪሎ' ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ዘረጋግፅ ምዃኑ ይኣምን።

ህዝብና ንጥሜትን ሞትን፣ ዓድና ንጥፍኣት፣ ብሄርና ንውርደት ዘቃለዐ ስርዓት ህወሓት ብምልዋጥ ኣብ ክንድኡ ንድሕነት ብሄረ ትግራይ በሪ ዝኸፈት ምስረታ ሓቋፋይ ግዝያዊ መንግስቲ ክውን ንምግባር ንገብሮ ፃዕሪ ኩሉ ወገን ሓቢሩና ክስለፍ ፃውዒትና ነቕርብ።

እዚ ዘጋጥም ዘሎ ጥሜት ከም ብሄራዊ ህፁፅ ሓደጋ ተራእዩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብራ ትካላት ህይወት ኣብ ምድሓን ብዕቱብ ክረባረባን ታሪካዊ ሓላፍነተን ክዋፅኣን ድማ ፃውዒት ንገብር።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
20 ታሕሳስ 2018
መቐለ፡ ትግራይ

‎ብዛዕባ ፅባሕ ምምላስ ተመዛበልቲ  እናሓሰብና ቅልጡፍ  ስራሕቲ ህይወት ምድሓን ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣገንዚቦም።‎‎ብፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ...
12/28/2025

‎ብዛዕባ ፅባሕ ምምላስ ተመዛበልቲ እናሓሰብና ቅልጡፍ ስራሕቲ ህይወት ምድሓን ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣገንዚቦም።

‎ብፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዘካየዶ ዑደት ማእኸል ገይሩ ሎሚ 19 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ ዘተ ተሳሊጡ።

‎ኣብ ኩለን ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ወገናት
‎ምውሓድ ሓገዝ፣ ዝርካቡ ሓገዝ እውን ፅሬት ዘይብሉ ምዃኑ፣ ፀገም ሕክምናን መጎዓዝያን፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ህፃናትን ቀንዲ ግዳያት እቲ ፀገም ምኳኖም፣ ስእነት ክዳንን መፅለሊን ብዋናነት ዝጥቀሱ ኮይኖም ብተወሳኺ ድማ ሐዚ እውን ዋሕዚ ሓዱሽ ተመዛባላይ ምህላዉን እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ህፁፅን ዝተዋደደን ስራሕ ክውገን ከም ዘለዎ ተገሊፁ።

‎ህፁፅ ምላሽ ዘድልዮ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕን ተመዛበልቲ ክምለሱ ብዝተዋደደ መልክዕ ምዕማምን ብሓደ ዝኸዱ እዮም ዝበሉ ፕረዝደንት ታደሰ ተመዛበልቲ ብሂወት ንምፅናሕን ብዘላቒ ንምድሓንን ስትራተጂ ከም ዝጠልብን ተመዛበልቲ መሰረታዊ ዝኾነ ኣገልግሎት ክወሃቡ ምግባር ግዘ ዘይህብ ስራሕ እዩ ኢሎም።

‎እዚ ፀገም እቲ ኩናት ዝወለዶ ይኹን እምበር ተመዛበልቲ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ንክወድቑ ከም ኣመራርሓ ናይ ኹልና ሓባር ውድቀት እዩ ብምዃኑ ድማ እዚ ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ናይ ፖሎቲካን ቢዝነስን ሸቀጥ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፍና ሂወት ኣድሕን ሰብኣዊነት ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና ዝብል ተሰሚሩሉ እዩ።

‎እቲ ሓገዝ ብክልል ደረጃ ብማእኸል ክምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣብዚ ህፁፅ ጉዳይ ማእኸል ገይሩ ብቐፃልነት እቲ ኣጀንዳ ንድሕሪት ከይምለስ ዝገብር ስራሕ ከም ዝተጀመረ ዝተሓበረ እንትኾን እቲ ዝመፅእ ሓገዝ ምትእምማን ብዘለሉ መንገዲ ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ብፕረዚደንት ደረጃ ከም ዝምራሕ ተሓቢሩ እዩ።

‎እቲ ፀገም ዘላቒ መፍትሒ ዝርከበሉ ህፁፅ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊነት ስራሕቲ ኣግባብ ብዘለዎ መንገዲ ተጠናኺሩ ክበፅሕ ምግባር፣ ሓገዝ ዝገብሩ ኣካላት ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መንገዲ ክሰርሑ፣ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ኣብ ተመዛበልቲ ክፀሪ፣ ኣብ ተወከልትን መተሓባበርትን ተመዛበልቲ ዘሎ ፀገም ክፀፍፍን ናይ ሕክምና ስራሕቲ ካብ ዓይደር ጀሚሩ ክሳብ በቢከባቢኡ ዘሎ ናይ ተመዛበልቲ መዕቖቢ ተናቢቡ ዝሕከመሉ መንገዲ መስርሕ ምዝርጋሕ ከም ዘድሊ ተሰሚሩሉ እዩ።

‎ብተመሳሳሊ ምስ ሓገዝትን መሓዙትን ዓለም ለኸ ትካላት ዘተ ዘሳለጠ እንትኾን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናቐነሱ ብምምፀኦም፣ መጠን ዝወሃብ ሰብኣዊ ሐገዝ ብምውሓዱ፣ ሐዚ እውን ካብ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን ፀለምትን ካልኦትን ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ይውሕዙ ብምህላዎም ዝድለ ሰብኣዊ ሓገዝ እናብፅሑ ዘይምዃኖም ተገሊፁ።

‎ብምዃኑ ድማ ኣብ ተመዛበልቲ ዝረአ ዘሎ ከቢድ ፀገም ንምቕራፍ ቀልጢፍካ ናብ ዘላቒ መፍትሒ ምእታው፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓገዝ ንምርካብ ህፁፅ ፃውዒት ከም ዝገብሩ ዝሓበሩ እንትኾን ዛጊድ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ብመጠንን ፅሬትን ዋሕዲ ከም ዘለዎን እቶም ኣካላት እዚ ፀገም ኣብ ምቕራፍ ዝከኣሎም ኩሉ ንምግባር ቃል ኣትዮም ክብል ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝዳንት ኣመላኺቱ።

‎ኣብ መወዳእታ መሰረታዊ ድሌትን ባህግን ተመዛበልቲ እናተሓገዝና ክንነብርን ኣብዚ ክንመውትን ኣይንደልን ንዓድና መልሱና ዝብል እዩ ስለዝኾነ ድማ ጎና ጎኒ ህፁፅ ሂወት ምድሓንን ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዘላቒ መፍትሒ ምግባርን እዩ ዝብል ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሓሉ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ፀብፂቡ።

TMH - 19 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

‎"ሕቶ ነጋዶ ሕቶ ድሕነት ኢኮኖሚ ትግራይ እዩ፣ ንዝኾነ ኣካል ዝግደፍ ጉዳይ ኣይኮነን፣ ፍትሓዊ ሕቶ ማሕበረሰብ ንግዲ ንክምለስ ኩላትና ብሓባር ድምፅና ነስምዕ" ርኢቶ ተሳተፍቲ መድረኽ ዘተ ...
12/27/2025

‎"ሕቶ ነጋዶ ሕቶ ድሕነት ኢኮኖሚ ትግራይ እዩ፣ ንዝኾነ ኣካል ዝግደፍ ጉዳይ ኣይኮነን፣ ፍትሓዊ ሕቶ ማሕበረሰብ ንግዲ ንክምለስ ኩላትና ብሓባር ድምፅና ነስምዕ" ርኢቶ ተሳተፍቲ መድረኽ ዘተ ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ፣ መግለፂ ቅዋም እቲ መድረኽ ዘካተተ ምድላው 👇👇👇

ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ እዋናዊ ኩነታት ኢኮኖሚ ትግራይን ናይቲ ኢኮኖሚ ዓምዲ ዝኾነ ማሕበረሰብ ንግዲ ንምስባር...

"ኢኮኖሚ ትግራይ ንምድኻም፣ ሕቖ ነጋዳይ ትግራይ ንምስባር እዩ ዝስራሕ ዘሎ" ተሳተፍቲ ነጋዶ ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ እዋናዊ ኩነታት ኢኮኖሚ ትግራይን ናይቲ ...
12/27/2025

"ኢኮኖሚ ትግራይ ንምድኻም፣ ሕቖ ነጋዳይ ትግራይ ንምስባር እዩ ዝስራሕ ዘሎ" ተሳተፍቲ ነጋዶ

ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ እዋናዊ ኩነታት ኢኮኖሚ ትግራይን ናይቲ ኢኮኖሚ ዓምዲ ዝኾነ ማሕበረሰብ ንግዲ ንምስባር ዝግበሩ ዘለው ክያዶታትን ክግበሩ ዝግበኦም ተግባራትን ኣመልኪቶም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝሃብዎ ርኢቶ ቀዳማይ ክፋል 👇👇👇

https://youtu.be/dvu9gXMnFdA?si=o3vxSNSrNqMAXMmh

ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ እዋናዊ ኩነታት ኢኮኖሚ ትግራይን ናይቲ ኢኮኖሚ ዓምዲ ዝኾነ ማሕበረሰብ ንግዲ ንምስባር...

‎"መቐፀልታ ዝተፈፀመና በደል እዩ፣ መልሲ ዘይረኸበ ፍትሓዊ ሕቶና ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ ዝጠልብ" ‎‎ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ክሳብ ሐዚ ፍታሕ ዘይተውሃቦም ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎም ሕቶታት ...
12/27/2025

‎"መቐፀልታ ዝተፈፀመና በደል እዩ፣ መልሲ ዘይረኸበ ፍትሓዊ ሕቶና ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ ዝጠልብ"

‎ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ክሳብ ሐዚ ፍታሕ ዘይተውሃቦም ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎም ሕቶታት ልቓሕ ባንኪ ወለድን ቅፅዓትን ፣ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ግብሪ 1395/17 ከምኡውን ካልኦት ተዛመድቲ ፀገማት ማሕበረሰብ ንግዲ ትኹረት ብምግባር ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ፣ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ዝበፅሐ ማህሰይቲ ስዒቡ ፍታሕ ንምርካብ ዛጊድ ዝተገበሩ ፃዕርታትን ቀፃሊ መቃለሲ ኣንፈታትን ጠሚቱ ዝቐረበ መማየጢ ሓሳብ ሙሉእ ትሕዝቶ 👇👇👇

ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ክሳብ ሐዚ ፍታሕ ዘይተውሃቦም ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎም ሕቶታት ልቓሕ ባንኪ ወለድን ቅፅዓትን ፣ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ግ...

‎ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ተዳዕኒኖም ዘለው ፀገማት ፍታሕ ንክረኽቡ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ጉዳዩ ክገብሮ ይግባእ ተባሂሉ።‎‎ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ሎሚ 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/...
12/27/2025

‎ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ተዳዕኒኖም ዘለው ፀገማት ፍታሕ ንክረኽቡ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ጉዳዩ ክገብሮ ይግባእ ተባሂሉ።

‎ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ሎሚ 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ፖለቲካዊ ውሳነ ኣብ ዝጠልቡ ፀገማት ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ መሰረት ገይሮም ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ፍትሓዊ ሕቶ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ፍታሕ ንክረክብ ዝከኣሎ ከምዝድግፍ ገሊፆም።

‎ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብሰንኪ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ሃፍቲ ክዓኒ፣ ክበርስን ክዉረርን ከምኡ እዉን ባንኪ ብምዕፃዉ ዕዳ ወለድን ቕፅዓትን ተደራራባይ ፀገም ኣብ ልዕሊ ነጋዳይ ትግራይ ክበፅሕ ከምዝተገበረ ዝገለፁ ኮይኖም ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ብወለድ ልቓሕን ቅፅዓትን ዝበፅሖ ዘሎ ከቢድ ሃሰያ ፍታሕ ንክረክብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ኣጀንዳ መላእ ህዝቢ ትግራይ ክኸውንን ድጋፍ ክገብርን ይግባእ ኢሎም።

‎ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ በሪሁ ሃፍቱ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምሕዋይን ማሕበረስብ ንግዲ ትግራይ ዝበፅሖም ኩለመዳያዊ ፀገም ንምፍታሕን ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምርድዳእ ተግባራዊ መልሲ ንምርካብ ፃዕሪታት ይግበሩ ምህላዎም ሓቢሮም።

‎ምክትል ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ኣይተ ፀጋይ ሓድጉ ብወገኖም ኢኮኖሚ ትግራይ ንምሕዋይን ማሕበረስብ ንግዲ ትግራይ ዝበፅሖም ኩለመዳያዊ ፀገም ንምፍታሕን ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ናይ ምኽፋል ግዘ ዋላ እኳ ተተናወሐ ሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ንምርግጋፅ ተወሳኺ ልቓሕን ካልኦት ፖኬጃትን ስለ ዘይተገበረ ዕዳ ክዉስኽ እምበር ለዉጢ ክመፅእ ኣይከኣለን ኢሎም።

‎እዚ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፣ ኣምባሳደራትን ካልኦት ኣካላትን ብዝተገበረ ዘተ ሕቶ ነጋዶ ትኽክል ምዃኑ መስኪሮም እዮም ይኹን እምበር ፖለቲካዊ ፀገም ስለዝኾነ መፍቲሒኡ ፖለቲካዊ ውሳነ ከምዝጠልብ ምግላፆም ሓቢሮም።

‎እዚ ፀገም ናይ ነጋዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መላእ ትግራይ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ፀጋይ ሓድጉ ፀገም ኢኮኖሚ ትግራይን ማሕበረሰብ ንግዲን ንምፍታሕን ንማሕበረሰብ ዓለም ንምስማዕን ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 21 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝሳለጥ ሓቢሮም።

‎TMH - 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ዝከኣሎ ክገብር እዩ ኢሎም ፕሬዝዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ።ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር  ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ሕፃፅ ...
12/27/2025

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝከኣሎ ክገብር እዩ ኢሎም ፕሬዝዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ።

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ሕፃፅ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዘለውሉ ኩነታት ሎሚ 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ብኣካል ተረኺቦም ተዓዚቦም።

ብምኽንያት ምስኣን ምግብ፣መድሓኒት፣ መፅለልን መደቀስን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከምዘለው ኣብቲ ማእኸል ዝርከቡ ተመዛበልቲ ንፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ኣብሪሆም።

‎እታ ትወሃብ 15 ኪሎ እኽሊ ሓገዝ ንኣስቤዛ፣መጥሐኒ ይኹን ካልኦት መሰረታዊ ድልየታት መማልኢ ኣይተኣክልን ክብሉ ተዛሪቦም።

ካብዚ ብዝሓለፈ ፅሩይ ማይ ስለዘይንረክብ ዝተበከለ ማይ እናሰተና ንተወሰኽቲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንቓላዕ ኣለና እውን ክብሉ ኣረዲኦም።

ብስንኪ ሕፅረት ነዳዲ ግልጋሎት ኣምቡላንስ ክንረክብ ኣይከኣልናን ብገንዘብና ንምንቅስቓስ ዓቕሚ ስለዘይብልና ኣብ ዓራት ንሳቐ ኣለና እውን ኢሎም። ካብዚ ስቃይን መከራን ክንወፅእ ግና ናብ ዓድና ክንምለስ ይግባእ ክብሉ ንፕረዝደንት ታደሰ ወረደ ምሕፅንተንኦም ኣቅሪቦም ።

‎ኣብ ሕፃፅ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዘለውሉ ኩነታት ዝዕዘቡ ዘለው ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ድማ እቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝከኣሎ ከምዝገብር ተዛሪቦም።
©Tigrai Television

TMH - 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

‎ድጋፍ እታወታት ሕርሻ ንመናእሰይ ‎‎ልዕሊ 2 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ዝተፈላለዩ እታዎታት ሕርሻ ን405 መናእሰይ ወረዳ ሓውዜን ድጋፍ ከምዝገበረሎም ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።‎‎መተሓባ...
12/25/2025

‎ድጋፍ እታወታት ሕርሻ ንመናእሰይ

‎ልዕሊ 2 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ዝተፈላለዩ እታዎታት ሕርሻ ን405 መናእሰይ ወረዳ ሓውዜን ድጋፍ ከምዝገበረሎም ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

‎መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ደ/ኣ/ን/ትን ማኒፋክቼሪንግን ወረዳ ሓውዜን ኣይተ መዝገበ ገ/ማርያም ካብ ትካል ስግግር ሕርሻ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ድጋፍ፣ ድልየት ስራሕን ዝሓሸ ፀጋታት ከባብን እናሃለዎም ግን ድማ ብሰንኪ ሕፅረት መንቀሳቐሲ ካፒታልን ዝተፈላለዩ ፀገማትን ስራሕ ኣልቦ ንዝነበሩ መናእሰይ ብእታዎታት ሕርሻን ተዛመድትን ብምድጋፍ ፣ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእል ኣንፈት ኣቐሚጡ ኣብ ምንቅስቓስ ከም ዝርከብ ኣብሪሆም።

‎ብመሰረት እዚ ካብ 15 ክሳብ 35 ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ፣ ተመዛበልቲ ፣ ከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ንዘለዎምን ብሕፅረት መንቀሳቐሲ ካፒታል ተፀበይቲ ኮይኖም ንዝፀንሑ ካብ 14 ጣብያታት ዝተመልመሉ 325 ደቂ ኣነስትዮ ዝርከበኦም ን 405 መናእሰይ ወረዳ ሓውዜን ፣ልዕሊ 2 ሚልዮን ብር ዝወድኡ እታዎታት ሕርሻ ኣብዚ ሰሙን እዚ ድጋፍ ከም ዝተገበረሎም ኣይተ መዝገበ ገ/ማርያም ሓቢሮም።

‎እቶም ሓገዛት 8 ንመስኖ ዝውዕላ ጄኔሬተር ፣ልዕሊ 2 ሽሕን 3 ሚእትን ጨቓዊት ደርሆ፣14 ዕስለ ንህብን 75 ድማ ኣባጊዕን ንካልኣይ ግዜ ሓገዝ ከምዝተገበረ ኣይተ መዝገበ ኣብሪሆም።

‎እቶም መናእሰይ በቲ ረኺበምዎ ዘለው ዕድል ተጠቒሞም ፣ ንዓርሶም ኪኢሎም ንኻልኦት መርኣያ ክኾኑን ብኡ ኣቢሎም ድማ ዕድል ስራሕ ንኽፈጥሩን ብዘኽእል መልክዑ ብዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ፣ ሞያዊ ስልጠና ፣ዕለታዊ ድጋፍን ክትትልን ምትእስሳር ዕዳጋን ክግበረሎም ምኻኑ እቶም መተሓባበሪ ገሊፆም።

‎ተጠቀምቲ ናይቲ ዕድል ዝኾኑ መናእሰይ ብወገኖም ሳኣን መንቀሳቐሲ ካፒታል ንነዊሕ እዋን ተፀበይቲ ኮይኖም ከም ዝፀንሑ ብምዝኽኻር ፣በቲ ዝተገበረሎም ድጋፍ እታዎታት ሕርሻ ተጠቒሞም ዓርሶም ንምኽኣል ከም ዝፅዕሩ ብምግላፅ ፣ብዝምልከቶም ሰብ ሞያ ሕርሻ፣ ስልጠና ፣ ክትትልን ድጋፍን ፣ ብወገን መንግስቲ ድማ፣ ቀረብ ልቓሕ ንኽመቻቸወሎም ተላብዮም ክብል ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።

‎TMH - 16 ታሕሳስ 2018

‎መብርሂ ፕሬዝዳንት ግ/ም/ት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ‎‎ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኮነ ይኩን ዛዕባ  ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ  ምእንተ እዚ ኣብዞም ኣጋጢሞም ...
12/24/2025

‎መብርሂ ፕሬዝዳንት ግ/ም/ት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ

‎ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኮነ ይኩን ዛዕባ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ ምእንተ እዚ ኣብዞም ኣጋጢሞም ዝነበሩ ፀገማት ምስ መንግስቲ ፌደራል ቀሪብካ ምርድዳእ ክግበር ከምዝተኽኣለ ፕረዝደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

‎እቶም ፕረዝደንት ነዚ በሉ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮም ልዝብ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መብርሂ እዩ ።

‎ክንረኽቦም ኢልና ዝኸድና ቀደማይ ሚኒስተር ፣ ሚንስትር ገንዘብ ሚኒስተር ፣ ማናጅመንት ባንኪ ንግዲን ብሄራዊ ባንክን ከምኡ ድማ ብሄራዊ ኮምሽን ምኽክር ፣ ቦርድ መረፃ ፣ ሚኒስትር ሃፍቲ ማይን ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ተራኺብና ዓሚቕን ዕዉትን ዘተታት ኣካይድና ኢና ኢሎም ጀነራል ታደሰ ወረደ ።

‎ኣብ ጉዳይ በጀትን መሃያን ደው መበሊኡ ብቑዕ ምኽንያት ይረክብ ብዘይምንባሩ ንምፍላጥን መፍትሒ ንምቕማጥን ናይ ግድብ ገረብ ሰገን ዝመፁ ንብረታት ንኣዋርሕ ድው ዝበለሉ ከይዲ፥ ጉዳይ ነዳዲ እናበኣሰ ዝመፀሉ ኩነታት ብምንባሩ ብዝርዝር ንምርድዳእ ዝርርብ ዘድለየሉ ኩነታት እዩ ነይሩ ኢሎም።

‎ከም ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኮነ ይኩን ዛዕባ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ ምእንተ'ዚ ኣብዞም ኣጋጢሞም ዝነበሩ ፀገማት ምስ መንግስቲ ፌደራል ቀሪብካ ምርድዳእ ክግበር ተኻኢሉ እዩ ኢሎም ።

‎ስለዝኾነ ድማ ኢሎም እቶም ፕረዚደንት መሃያ ክልቐቕ ተወሲኑ ፣ ኣብ ካልእ ምጉታት ዝነበሮ በጀት ዝምልከት ኣብ ቀረባ እዋን ክልቀቕ ፣ፀገም ሕፅረት ማይ ከተማ መቐለ ንምፍታሕ ግድብ ገረብ ሰገን ዝተኣገዱ ናውታትን ማሽነሪታትን ክልቀቑ ኣካል ምርድዳእና ኮይኑ እዩ ኣብ ቀረባ ድማ ናብ ስራሕ ክእቶ እዩ ኢሎም።

‎ብወገን መንግስቲ ፈደራል ናብ ፅልኢ ናይ ሓይሊ ጎንፂ ዘእቲ ድልየትን ኩነታት ከምዘይብሎም ፣ እንተኾነ ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ድማ ብወገን ትግራይ ዝፍታሕ ክፈትሕ ክሪኢ ከምዝግባእ ቀሪቡልና እዩ። ባዕልና ሓላፍነት ወሲድና ክንፈትሖ ክንፅዕረሉ ድማ ኢና ይብሉ እቶም ፕረዚደንት።

‎ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲን ጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝምልከት ቅልጡፍ ርክባት እናተገበረ ኣብ ሓፂር ግዘ ዝፍትሐሉ ኩነታት ክመቻቾ ኣካል ምርድዳእና እዩ ነይሩ እንተኾነ ቀፀልቲ ርክባት እናተገበሩ ዘላቒ መፍትሒ ክቕመጠሎም እዩ ኢሎም ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ።

‎ምስ ኮምሽን ምኽክር ተራኺብና ዘለውና ስግኣት ገሊፅናሎም ትግራይ ፍትሒ ትደሊ፣ ትግራይ ዝተመዛበለ ህዝቢ ዝተጎደአ ህዝብን ከባብን ዘለሉ ኩነታት ብምህላዉ ከም ካልኦት ክልላት ዝረአ ዘይምዃኑ ሓቢርና ብቐፃሊ ናይ ዘተ ኣጀንዳታት ተቐሪፁ ህዝቢ ክዝትየሉ ክግበር ተረዳዲእና ኢሎም።

‎ምስ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረና ፃንሒት መረፃ ንምክያድ ይከኣልን ኣይከኣልን ኣብ ዝበሃለሉ ጉዳይ ወሲና ምኽንያታቱ ገሊፅና ብዕሊ ኣብዚ ሰሙን ምላሽ እንህበሉ ክኸውን እዩ ኢሎም።

‎ብክልቴና ዝፀንሐ ግልፂ ዘይምትእምማን ነይሩ ፤ ብወገን መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ነዚ መጋደድቲን ደፋእትን ኩነታት ድማ ኣለው ምጉላህ ከምዝነበረ ምኽንያታት እዚ ብባዕልና ንምፍታሕ ክንሰርሓሉ ተረዳዲእና ኢሎም ።

‎ባዕልና ዝፈጠርናዮ ሽግር ካልኣይ ወገን ካብ ምእላሽ ባዕልና ንምፍታሕ ክነትኲር እዩ ዘለና ፖለቲካዊ ፀገማትና ባዕልና ንምፍታሕ ንምዝርራብ ንሰላማዊ መንገዲ ቀዳምነት ምሃብ ድማ ጉዳይና እዩ ይብሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ።

‎ዝነበረ ምክራር ፅቡቕ ዘይምንባሩ ዘስዐቦም ፀገማት እዩ ነይሮም ናብ ኲናት ናብ ጎንፂ ዝወስዱ መንገድታት ክዕፀዉ ዘኽእል ርክባት ምንባሩ ቀፀልቲ ርክባት ብምግባር ብቐፃሊ ክፍትሑ ዝግብኦም ክፍትሑ እዮም ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት ንሰላም ንልዝብ ንምርድዳእ ቀዳምነት ብምሃብ እንገብሮም ርክባት ብመንፅር ረብሓታትና ክንቕፅሎሎም ኢና ክብሉ ገሊፆም ከም ፀብፃብ ድምፂ ወያነ ።
©Dimtsi Weyane
TMH - 15 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

ቅልጡፍን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝረኣዩ ዘለው ቢሮክራሲያውን ስርዓታውን ዕንቅፋታት ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ACSOT)...
12/23/2025

ቅልጡፍን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝረኣዩ ዘለው ቢሮክራሲያውን ስርዓታውን ዕንቅፋታት ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ACSOT) ፀዊዑ።

‎እቲ ሕብረት ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣመልኪቱ ሎሚ 14 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ብዘይ ምንም ዕንቅፋት፣ ብቐፃልነትን ውሕስ ብዝኾነ ኣገባብን ናብ ኩሎም ዝተጎድኡ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ብፍላይ ድማ ናብ ሕፃፅን ካልኦት መዕቖቢ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ሰብኣዊ ሓገዛት ከቕርቡ ፀዊዑሎ።

‎እዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዘይኮነስ ቀጥተኛ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናትን ስዒቡ ዝመፀ ማህሰይቲ ከምኡውን እቲ ኵናት ንምቁራፅ ዝተፈረመ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ብዘይምኽኣሉ እዩ ዝበለ መግለፂ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ACSOT)፣ ሕብረት ኣፍሪካን ዓለምለኸ መስማዕማዕቲ ኣካላት ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተፈራረሙ ወገናት ኩሎም ድንጋገታት ብሙሉእነትን ብቕልጡፍን ምትግባሮም ንከረጋግፁ ፃውዒቱ ኣቕሪቡሎ።

‎ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለው ዕጡቓት ምውፃእ፣ ምርግጋፅ ውሑስ ፀጥታ፣ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ናብ መረበቶም ንምምላስ ምችው ኩነታት ምፍጣርን ዝምልከት ፍሉይ ቆላሕታን ትኹረትን ተዋሂብዎም ብህፁፅ ክፍፀሙ ይግባእ ክብል ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ACSOT) ኣተሓሳሲቡ።

‎TMH - 14 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
‎ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ 👇👇👇

Address

Washington D.C., DC

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai Media House posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigrai Media House:

Share

Tigrai Media House (TMH)

Tigrai Media House is a 501 C legally registered non-for-profit organization media platform designed to inform, inspire and engage the people of Ethiopia. Reaching people through high-standard, high-quality and high impact multimedia content available in different formats such as satellite and streamed television, digital media, social media etc. TMH recognizes and appreciates the efforts that citizens make each day in building a better Ethiopia for all people. TMH strives to empower disadvantaged groups such as women, youth and people with disabilities etc. Working within collaboration of all people to enlighten, educate and strengthen citizens in order to expose corruption and to create unity between neighboring countries.