Tigray News

Tigray News ሓደሽቲ ዜናታት፣ እዋናዊ ዜና፣ ኣገዳሲ ሓበሬታን፣ ሓደሽቲ ምዕባለታትን ትግራይን ከባቢኣን

07/18/2026

ሽማግሌ ኣያስፈልግም 😄

ክራማት ትግራይ
07/18/2026

ክራማት ትግራይ

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ እመበር ናይ ርሕቀት ሰልፊ የለን። ይፍትሐላ ... እቲ ነገር ኩሉ ነይርኩምዎ ኢኩም ብሰንኩኩም እውን ህዝቢ ትግራይ ክንደይ ዋጋ ከፊሉ እዩ።
07/18/2026

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ እመበር ናይ ርሕቀት ሰልፊ የለን።
ይፍትሐላ ... እቲ ነገር ኩሉ ነይርኩምዎ ኢኩም ብሰንኩኩም እውን ህዝቢ ትግራይ ክንደይ ዋጋ ከፊሉ እዩ።

እዚ ሰብ ከመይ ረኪቦምዎ? ሓሳቦም የካፍሉ?
07/18/2026

እዚ ሰብ ከመይ ረኪቦምዎ? ሓሳቦም የካፍሉ?

07/18/2026

መሬት ዓዲ ኣቦካ ይውረር ኣሎ
ሰልፊ?

ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ሓድሽ ዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ፓኪስታን ንክኾኑ ተሓርዮም————-እቲ ንነዊሕ እዋን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓወት ክመርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም፣ መገ...
07/13/2026

ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ሓድሽ ዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ፓኪስታን ንክኾኑ ተሓርዮም
————-
እቲ ንነዊሕ እዋን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓወት ክመርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም፣ መገዲ ኣየር ፓኪስታን (PIA) ንምሕዳስን ካብ ክሳራ ንምድሓንን ሓድሽ ዋና ፈጻሚ ስራሕ (CEO) ኮይኖም ክሽየሙ ተሓርዮም።
እዚ ሹመት እዚ ዝመጽእ ዘሎ፣ እቲ ሃገራዊ መገዲ ኣየር ፓኪስታን ብሰንኪ ዝነበሮ ከቢድ ዕዳ ብመንግስቲ ናብ ብሕታዊ ትካል ድሕሪ ምቕያሩን ቁጽጽሩ ናብቲ ብ "Arif Habib Group" ዝምራሕ ጥርናፈ ኩባንያታት ድሕሪ ምምሓላለፉን እዩ። እቲ ሓድሽ ምሕደራ ንኣቶ ተወልደ ዝሓረየሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየን ዝበለጸን ትካል ንምግባር ዘርኣይዎ ዘደንቕ መሪሕነትን ተመክሮን መሰረት ብምግባር እዩ።
ከም ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣረብ ኒውስ (Arab News)፣ እቲ ሹመት ወግዓዊ ዘይኮነሉ ዘሎ ዘድሊ ናይ ጸጥታ መጽራይ (security clearance) መስርሕ ስለ ዘይተዛዘመ እዩ። ይኹን እምበር፣ ሰብ መዚ እቲ መገዲ ኣየር ንኣቶ ተወልደ "ዓብዪ ናይ ምስግጋርን ምሕዳስን ተመክሮ ዘለዎም ብቑዕ ሰብ" ክብሉ ገሊጾምዎም ኣለዉ።
ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ካብ 2011 ክሳብ መጋቢት 2022 ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዋና ፈጻሚ ስራሕነት ዝመርሑ ኮይኖም፣ ብሰንኪ ትግራዋይነቶም ካብ ስርሖም ምግላሎም ይዝከር። ሕጂ ግን ነቲ ብክሳራ ዝሳቐ ዘሎ መገዲ ኣየር ፓኪስታን ብሓደሽቲ ወፍሪታትን ዘመናዊ ኣሰራርሓን ናብ መኽሰብ ንምቕያር ሓላፍነት ክወስዱ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ።

ናብ ሬሳ እምኒ ኣይድርበንዝናብ ኣብ ትግራይ ቤንሻንጉል መደበር ሰራዊት ደጋሎ
07/13/2026

ናብ ሬሳ እምኒ ኣይድርበን
ዝናብ ኣብ ትግራይ
ቤንሻንጉል መደበር ሰራዊት ደጋሎ

ናብ ሬሳ እምኒ ኣይድርበንዝናብ ኣብ ትግራይ ቤንሻንጉል መደበር ሰራዊት ደጋሎ| Subscribe to T...

ኩናት ኣይሕሰብን ኣሜሪካኣብይ ብዛዕባ ትግራይን ኣሜሪካንኣሰላልፋ ትግራይን ኤርትራን ሱዳንን
07/08/2026

ኩናት ኣይሕሰብን ኣሜሪካ
ኣብይ ብዛዕባ ትግራይን ኣሜሪካን
ኣሰላልፋ ትግራይን ኤርትራን ሱዳንን

ኩናት ኣይሕሰብን ኣሜሪካኣብይ ብዛዕባ ትግራይን ኣሜሪካንኣሰላልፋ ትግራይን ኤርትራን ሱዳንን| Subsc...

2026 እታ ንእሽቶይ ሃገረ ኬፕ ቨርደ! 🇨🇻⚽️⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️ቅድሚ ሎሚ ዓመት “ኬፕ ቨርደ” (ካቦ ቨርደ) ዝፈልጣ ብዙይ ኣይክህሉን እዩ። ጠቕላላ ህዝባ ኣስታት 530 ...
07/06/2026

2026 እታ ንእሽቶይ ሃገረ ኬፕ ቨርደ! 🇨🇻⚽️

⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️ ⚽️

ቅድሚ ሎሚ ዓመት “ኬፕ ቨርደ” (ካቦ ቨርደ) ዝፈልጣ ብዙይ ኣይክህሉን እዩ። ጠቕላላ ህዝባ ኣስታት 530 ሽሕ ጥራሕ—እዚ ማለት ካብ ህዝቢ ከተማ መቐለ ዝነኣሰ:: ግናኸ... ኣብዚ ናይ 2026 ዋንጫ ዓለም፣ እዛ ንእሽቶ ሃገር ንዓበይቲ ናይ ኩዕሶ እግሪ ገናውንቲ ኣንቀጥቂጣቶም ኣላ!

🧤 ቮዚንሃ፦
ካብ ውዕል ኣልቦነት ናብ ጅግንነት!
ናይዚ ኹሉ መስተንክር ዓንዲ ሕቖ ኰይኑ ዘሎ፣ እቲ ወዲ 40 ዓመት ዓንዲ-ሕቖ ዝዀነ ሓላው-ልዳት ቮዚንሃ እዩ። ቅድሚ ውድድር ምጅማሩ ውዕል (Contract) ዘይነበሮ እዚ በሊሕ ሓላው-ልዳት፣ ሎሚ መዘራረቢ መላእ ዓለም ኰይኑ ኣሎ!

🚫 ምስ ስፔን (0-0):
ንዓለም ዘገረመ 0 ን 0 ብምውጻእ፣ ንፈለማ ግዜ ታሪኻዊት ነጥቢ ኣመዝጊቦም።
🤯 ምስ ኣርጀንቲና (2-3):
ኣብቲ ናይ ዙር 32 ናይ ምት ጸወታ፣ ኬፕ ቨርደ ንሻምፕዮን ዓለም ኣርጀንቲና ክሳብ ተወሳኺ እዋን (Overtime) ኣፅኒሓታ። ኣርጀንቲና ዘሸነፈትሉ ሳልሰይቲ ሸቶ ኣብ መበል 111 ደቒቕ ብሰንኪ ዝተቆፀረት ናይ ገዛእ ርእስኻ ሸቶ (Own Goal) እያ ነይራ።

🐐 ሜሲ vs ቮዚንሃ:
ቮዚንሃ 8 ዓበይቲ ኳዕሶታት ከምክን ከሎ፣ ካብዚኣቶም እቶም 4 ንሊዮነል ሜሲ ዝዓገተሎም ተኣምራታውያን ምድሓናት ነይሮም። ድሕሪ ጸወታ ሜሲ ባዕሉ ማልያኡ ብምሃብ ኣኽብሮቱ ገሊጹሉ!

📈 ታሪኻዊ ክብረ-ወሰን
ቮዚንሃ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም 2 ጽሩይ መርበብ (Clean Sheets) ብምሓዝ፣ ድሕሪ 40 ዓመት ዕድሚኦም እዚ ክብረ-ወሰን ዘመዝገቡ ከም ታሪኻውያን ሓለዉቲ ልዳት ፒተር ሺልተን (ዓዲ እንግሊዝ)ን ዲኖ ዞፍ (ኢጣልያ)ን ጥራሕ ኰይኑ ታሪኽ ጸሒፉ ኣሎ። ሎሚ እዚ 40 ዓመት ዝዕድሚኡ ሓላው-ልዳት፣ ብክለባት ብራዚልን ዓለምን ዓቢ ድሌት ይርኣየሉ ኣሎ።

✈️ ካብ ስታዲዩም ናብ ቁጠባን ቱሪዝምን!
እቲ ዓወት ኣብ ሜዳ ጥራሕ ኣይኰነን ዘብቅዕ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ እታ ጽርይቲ ሰማያዊ ማይን ምጭውቲ ዓድን ዝዀነት ኬፕ ቨርደ ክፈልጡ ኣብ Google ይደልዩ ኣለዉ። ክኢላታት ቁጠባ ከም ዝሕብርዎ፣ እዚ ናይ ዋንጫ ዓለም ተኣምር ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ንቱሪዝም እታ ሃገር ብቢልዮናት ዶላራት ከም ዝድርዖ ይእምቱ ኣለዉ።
ካቦ ቨርደ ወላ'ኳ ካብ ውድድር ብኽብሪ እንተተሰናበተት፣ ንዘልኣለም ዘይመሓው ታሪኽ ግና ኣብ ልቢ ኩሉ ደጋፊ ኩዕሶ እግሪ ኣንቢራቶ ሓሊፋ እያ! 👏👏

ድሮናት ኣብይ ይውዳኣፋኖ ምስ ትግራይ ተስማዕሚዑትግራወይቲ ኣሜሪካዊት ተዓዊታ
07/02/2026

ድሮናት ኣብይ ይውዳኣ
ፋኖ ምስ ትግራይ ተስማዕሚዑ
ትግራወይቲ ኣሜሪካዊት ተዓዊታ

ድሮናት ኣብይ ይውዳኣፋኖ ምስ ትግራይ ተስማዕሚዑትግራወይቲ ኣሜሪካዊት ተዓዊታ| Subscribe to T...

Address

Connecticut Avenue NW
Washington D.C., DC
20036

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray News posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share