
01/09/2025
*❌ህወሓት ልክዕ ከም ኣልሸባብ❌*
🩸*ህወሓት ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ንምዕፋን ተካይዶ ዘላ ሕቡእ ሽርሒ*
📌ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ገጹ ዝሽፍነሉ ቀንዲ ምኽንያት መንነቱ ንምሕባእ፡ ገበን ንምፍጻምን ካብ መቕጻዕቲ ንምህዳምን እዩ። እዚ ዓይነት ስልቲ ፍርሕን ራዕድን ስነ-ልቦና ህዝቢ ንምቁጽጻርን ተቓውሞ ንምዕፋንን ዓቢ መሳርሒ ምዃኑ ይፍለጥ። ህወሓት እውን ኣብ ሕሉፍ ንጥፈታታ ነዚ ግብረሽበራዊ ስትራተጂ ትኽተል ከምዝነበረት ይፍለጥ ፣ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ፤ ገለ እሙናት ምንጭታት ከም ዘመልክትዎ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን(ማስክ)ዝለበሱ ዕጡቓት ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ንምዕፋን ናብ ከተማ መኾኒ ሾሊኾም ይኣትዉ ኣለው፤ ብመሰረት እቶም ምንጭታት እዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ድምፂ ህዝቢ ራያ ንምዕፋን እዩ።