Saymi Saye

Saymi Saye "ናይ ሎሚ ሕሰም ጽባሕ እቲ ዝመቀረ ሂወት ክኸውን ስለ ዝኽእል፣ የስተማቕሮ እምበር ኣይቅንዘወሉን እየ።"
By Sami Saye!

ካብ ፍቕሪ ዝበልጽ ህይወት የለን።ካብ ተስፋ ዝምቅር መኣዛ የለን።ካብ ዓቕሊ ዝሰኣን ነገር የለን።ካብ ትህኪት ዝዓቢ ስንክልና የለን።ካብ ሕልና ዝዓቢ ዳኛ የለን።ካብ ፍርሒ ዝዓቢ ውድቀት የለን...
20/08/2026

ካብ ፍቕሪ ዝበልጽ ህይወት የለን።
ካብ ተስፋ ዝምቅር መኣዛ የለን።
ካብ ዓቕሊ ዝሰኣን ነገር የለን።
ካብ ትህኪት ዝዓቢ ስንክልና የለን።
ካብ ሕልና ዝዓቢ ዳኛ የለን።
ካብ ፍርሒ ዝዓቢ ውድቀት የለን።
ካብ ሞራል ዝዓቢ ሓጋዚ የለን።
ካብ ኣምላኽና ዝሕይል ሓይሊ የለን።

ጸሓፊ ✍️ Sami Saye ✔

መዓስ ዘይፈልጥ.መዓስ ዘይፈልጥ ትገብርዮትዋስእዮን ካልእ  ዘለኽዮትብልዮ ንይምሰል ትኾንዮፈቃር ተመሲልኪ ንልበይ ኣታሊልክዮኣብ ንኡስ ዕድመይ ብኣኺ ክሓስብነብሰይ ረሲዐ ድላይኪ ከማልእዘረባ ሰ...
17/08/2026

መዓስ ዘይፈልጥ.

መዓስ ዘይፈልጥ ትገብርዮ
ትዋስእዮን ካልእ ዘለኽዮ
ትብልዮ ንይምሰል ትኾንዮ
ፈቃር ተመሲልኪ ንልበይ ኣታሊልክዮ

ኣብ ንኡስ ዕድመይ ብኣኺ ክሓስብ
ነብሰይ ረሲዐ ድላይኪ ከማልእ
ዘረባ ሰበይ ገቲአ ንዓኺ ክሰምዕ
ኣፍቂረ ምበር መዓስ ዓሻ ኮይነ ንነብሰይ ዝጎድእ።

ፍቕሪ ለዋ እንዳበልኩ ነዊሕ ተታሊለ
መሲሉኒ ተጓዒዘ ምስትውዓል ኣጉዲለ
ምስማዕ ኣቤያ ንነብሰይ ልዕሊኣ ሓይለ
ነዊሕ ተታሊለ።


ፍቕሪ ሓቲትካ ጽልኢ ክትቅበል
ከቢድ'ኳ ተኾነ ከምንስኒ ቆልቋል
ክላመዶ'የ ሞት ኣደ'ኳ ዝከኣል

በሊ ደሓን ሰላም ይኹነልኪ
ሕማቕኪ ኣይምነን ስለ ዘፍቅረኪ
እንከይንከሳሰር ሓው ክኾነኪ ሕቶ የቕርበልኪ።

ጸሓፊ✍️ Sami Saye✔

13/08/2026

ቀረባ'ዩ ብሓደ ክንህሉ። (ኣቢ) Mussie Alema Milkias Alembrhan

ኣብ ጥዑም ሕልሚ።ኣብ ሕማቕ ስእሊ ብሩህ መጻኢኣብ ጥዑም ሕልሚ ክዉን ጋህዲኣብ ድቕድቕ ጸላም ድሙቕ ብርሃንብዙሕ ቃልሲ ዕዉት ሰብ ንሙኻንሂይወት ጥዒመያ መቐረታ ሕሰማንስለ ናብራ ምስ ከቢድ ዕ...
13/08/2026

ኣብ ጥዑም ሕልሚ።
ኣብ ሕማቕ ስእሊ ብሩህ መጻኢ
ኣብ ጥዑም ሕልሚ ክዉን ጋህዲ
ኣብ ድቕድቕ ጸላም ድሙቕ ብርሃን
ብዙሕ ቃልሲ ዕዉት ሰብ ንሙኻን

ሂይወት ጥዒመያ መቐረታ ሕሰማ
ንስለ ናብራ ምስ ከቢድ ዕላማ
ክትስሕቀኒ ተጓያ ብፈተነ ኣዲኺማ
ስለ ዝፈለጠት ጽባሕ ዓወተይ ከምዝሕማ።

ንሽግር ከሳሊ ሓሳብ ኣሰኔ
ሞራለይ ከዕቢ ዓቕሊ ተኸዲነ
ናይ ጽባሕ ዓወተይ ክርእያ ተመንየ

ኩነታተይ መዝሚዛ ዕላማ ዓወታ ሒዛ
ድኽመተይ ተመንያ ሂይወት ምሳይ ተመሓዝያ
ተቐቢለ ገጠምክዋ ዓወተይ ከትሕዛ

ንነናትና ዕላማ ነዊሕ ተሳኒና
ክጎዪ ትመልሰኒ ይቃለስ ከዳኽማ
ኣረባራብ ኮይኑ በዚሑ ፈተና

ድሕሪ ብዙሕ ቃልሲ ተሰኒፋ ተዳኺማ
ሎምስ ኢዳ ሂባ ስዕረታ ኣሚና
ብዓወት ተዛዚሙ እቲ ከቢድ ዕላማ
እመኑኒ ክብለኩም እየ ሓደ መዓልቲ 🤣ክክክ

ዋዛ ምስ ቁምነገር እዩ ጀምዓ ተፈቲኾማ Follow Like and Shere በልዋ።

ጸሓፊ✍️ Sami Saye ✔

09/08/2026

እወ ወዲ ሰበይቲ'የ
እወ ወዲ'ታ ጻዕራም እየ ወዲ'ታ ተውለ
ወዲ'ታ ዋዕሮ ኣንበሳ ወዲ'ታ ወሓለ
ወዲ'ታ ኩሉ ነገር ዝኾነትለይ
ወዳ ብምኻነይ ኣቤት'ወ ተዓዲለ።

ሓንቲ ክንሳ ኮይና ክልተ ጾታ
በይነይ ኮይነ ከይበለት ተኪኣ ክልተ ቦታ
ናይ ሰብይቲ ብርሃን ገዛ ኮይና ናይ ሰብኣይ ዋልታ
የሕብን እምበር ወዲ ዚኣ ምዃን የሕፍር ድዩታ

ጅግና እያኮ እዚኣ ዘይብላ መዳርግቲ
ንደቃ ትስዋእ ዋልታ ዕጥቕቲ ሰበይቲ
ትርጉም ምንባር ትርዳእ ንደቃ እምንቲ

ደቃ ከይተቑርር ንሳ ተቖረረት
ደቃ ከይቅምስሉ ንሳ ተቐምሰለት
ልዕሊ ክብረት እምበር ይግብኣ ክብረት
(ከተቃልላ ኣይግባእን ነዚኣ ይትረፍ'ዶ ንስኻስ
ሕፍረት እኳ ንባዕላ ምሓፈረት)።

ኣብ ሓሶት ዘሎ ሓቂ።ሓደ እዋን እዩ ዓርከይ፣ "ንዝኾነ ሰብ ከይትሕሱ  ብምስጢር ሓዛ" ኢሉ ሓንቲ ናቱ ምስጢር ይነግረኒ። ኣነ ድማ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብምስጢር ሒዘያ ድሕሪ ምጽናሕ። ናይ ነገ...
08/08/2026

ኣብ ሓሶት ዘሎ ሓቂ።

ሓደ እዋን እዩ ዓርከይ፣ "ንዝኾነ ሰብ ከይትሕሱ ብምስጢር ሓዛ" ኢሉ ሓንቲ ናቱ ምስጢር ይነግረኒ። ኣነ ድማ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብምስጢር ሒዘያ ድሕሪ ምጽናሕ። ናይ ነገር ሰብ ከይተርፍ፣ ሓንቲ መዓልቲ ስሒተ ንሓደ ሰብ "ንዝኾነ ሰብ ከይትሕሱ" ብምባል እታ ምስጢር ይነግሮ'ሞ።

ንሱ ድማ ነቲ ንዓይ "ከይትሕሱ" ኢሉ ዝነገረኒ በዓል ምስጢር፣ "ኣነ ከም ዝነገርኩኻ ከይትነግር" ኢሉ ኣነ ከም ዝሓሰኽሉ ነገሮ። እቲ በዓል ምስጢር ዓርከይ ድማ፣ "ንምንታይ 'ከይትሕሱ' እንዳበልኩኻ ሓሲኻ?" ብምባል ብሕርቃን ተዛረበኒ። ሽዑ እቲ "ከይትሕሱ" ኢለ ዝነገርኩዎ ሰብ ከም ዝሓሰወሉ ተረድኣኒ።

ሽዑ ተቐዳዲመ ሕቶ ሓተትክዎ፦ "እቲ ዝነገርካኒ ምስጢር ሓቂ ኣይኮነን ድዩ?" በልክዎ።
ንሱ ድማ "ሓቂ እምበር!" በለኒ።
ኣነ ድማ "እሞ ሓቂ እየ ነጊረ እምበር ኣይሓሰኹን" በልክዎ።
ንሱ ድማ "ወላ እቲ ዝነገርኩኻ ምስጢር ሓቂ እንተኾነ፣ 'ከይትሕሱ' ኢለካ ከለኹ ስለ ዝነገርካ ሓሳዊ ኢኻ" በለኒ።
ኣነ ውን "ነቲ ዝነገረካ 'ከይትሕሱ' ኢለ እየ ነጊረዮ፤ ንሱ ውን ንዓኻ 'ከይትሕሱ' ኢሉ ከም ዝነገረካ ርግጸኛ እየ" በልክዎ።
ንሱ ድማ "መን ከም ዝነገረኒ ትፈልጥ ዲኻ?" በለኒ።
ኣነ ድማ ኣብቲ ናይ ሰለስቲና ሓሶት ዘሎ ሓቂ ስለ ዝፈልጥ፣ "እወ፣ መን ከም ዝነገረካ ይፈልጥ እየ" በልክዎ።

ንሱ ድማ "ማለት ኣብ ሓሶት'ዶ ሓቂ ኣሎ እዩ?" ብምባል ሕቶ ኣቕረበለይ።
ኣነ ድማ "እወ ኣሎ!" በልክዎ።
"ከመይ?" ድማ በለኒ።
"ሓዝ ከረድኣካ እየ። ኣነ ነታ 'ከይትሕሱ' ዝበልካኒ ቃል እየ ዘየተግበርክዋ እምበር፣ እቲ ዝበልካኒ (ሓቂ) እየ ነጊረ። ንሱ ከኣ ከምዛ ናተይ፣ እታ 'ከይትሕሱ' ትብል ቃል እዩ ዘየተግበራ እምበር፣ ኣነ ዝበልክዎ (ሓቂ) እዩ ነጊሩካ። ንስኻ ድማ ከምኡ፣ ነታ ንሱ 'ከይትሕሱ' ዝበለካ ቃል ኢኻ ጥሒስካያ እምበር፣ ነቲ ዝበለካ (ሓቂ) ኢኻ ሒዝካ መጺኻ" ብምባል፣ ኣብ ናይ ሰለስቴና ሓሶት ዝነበረ ሓቂ ኣረዲአ ካብ ሕርቃኑ ኣዝሒለዮ።

ከመይ ክቡራት ተኸታተልቲ? ንዓኹም'ከ ኣብዚ ናይ ሰለስቴና ሓሶት ሓቂ ኣይተረኣየኩምን? መልሲ ኣብ ኮመንት።

እ'ዚ ሓሳብ እንተ ፈቲኹሞ ድማ Follow Shere and Like ብምግባር ኣተባብዑኒ።
ሕልና. ሕልና ሕልና. ሕልና Milkias Alembrhan Mussie Alema Habtega Bee Haben Berhe

ምስጢር ክዕቀብ እንተ ኮይኑ፣ካብ'ቲ ዋና ምስጢር እዩ ክወጽእ ዘይብሉ። ኣይመስለኩምን?
07/08/2026

ምስጢር ክዕቀብ እንተ ኮይኑ፣ካብ'ቲ ዋና ምስጢር እዩ ክወጽእ ዘይብሉ። ኣይመስለኩምን?

"ፍቕረይ፣❤ ንስኺ’ኮ! "ፍቕረይ፣ ንስኺ’ኮ ንልበይ ምልኣት፣ ንዓይነይ ድማ ዕጋበት እትፈጥሪ ፍልይቲ ፍጥረት ኢኺ። ኣምላኽ ዕድመ ሂቡኒ ብህይወት ክነብር፤ ልዕሊ’ቲ ዝስሕቦ ኦክስጅን ናትኪ ሃ...
29/07/2026

"ፍቕረይ፣❤ ንስኺ’ኮ!
"ፍቕረይ፣ ንስኺ’ኮ ንልበይ ምልኣት፣ ንዓይነይ ድማ ዕጋበት እትፈጥሪ ፍልይቲ ፍጥረት ኢኺ። ኣምላኽ ዕድመ ሂቡኒ ብህይወት ክነብር፤ ልዕሊ’ቲ ዝስሕቦ ኦክስጅን ናትኪ ሃለዋት እዩ ንዓይ ውሕስነት ዝፈጥረለይ።

ትፈልጢ ኢኺ ምሽ? ጽባቐኺ ልዕሊ ድምቀት ጸሓይ እዩ ድምቀቱ። ቃላትኪ ከኣ’ሞ፣ ካብ መዓር ይምዕሩ። ብሓቂ እየ ዝብለኪ፤ ቃላትኪ ካብ ምሒር ምምዓሮም ዝተላዕለ፣ ካብዘን ምጩዋት ከናፍርኪ ልክዕ ከም መዓር ወለላ ብመልሓስኪ ተደፊኦም ክውሕዙ ከለዉ፣ ቅድሚ ናብ እዝነይ ናብ መልሓሰይ እየ ዝቕበሎም። ህድኣትኪ ድማ ልክዕ ከምቲ ዘይተዘርገ ጽሩይ ዛራ ማይ ንግሆ እዩ ሰላም ዝፈጥረለይ። ንስኺ’ኮ ኣብ ማእከል ጽቡቓት እትደምቂ ጽብቕቲ ኢኺ።🤔

ግድን እዩ፣ 'ቋንቋ ትግርኛ ክሳዕ ክንድዚ ንፍቕሪ ዝገልጽ ኮይኑ ኣይስምዓንን'ዩ ነይሩ' ትብሊ ከምዘለኺ። ኣነ ድማ 'ኣባይ በጺሖም ዓረብ ተቐይሮም' እዩ መልሰይ። እንዳበልካ መጸጸጽ ትብለላን ጽን ኢላ ትሰምዓካን ፍጥርቲ ጓል ሄዋንዶ ትስእን ኢኻ ደቀይ? ባእ!
ክክክክ! ዋዛ ምስ ቁምነገር እዩ ጀምዓ. 🤣ፍሽኽ ኢልኩም ክትኮኑ ተስፋ ይገብር።

ተፈቲኹማ?" Follow like shere and comment ኣይትረስዑ።
ጸሓፊ Sami Saye ✔
Milkias Alembrhan Mussie Alema

"ርሂውኒ ኢልካ ሽግርካ ኣይትረስዕ፤ ሸጊሩኒ ኢልካ ራህዋ ኣይትናፍቕ። ኩሉ መጻእን ከያድን እዩ። ተረሳዒ ድማ እዩ ኩሉ፣ እንተ ሓሊፉ ካብ ሰዓቱ።"
26/07/2026

"ርሂውኒ ኢልካ ሽግርካ ኣይትረስዕ፤ ሸጊሩኒ ኢልካ ራህዋ ኣይትናፍቕ። ኩሉ መጻእን ከያድን እዩ። ተረሳዒ ድማ እዩ ኩሉ፣ እንተ ሓሊፉ ካብ ሰዓቱ።"

"ደቂ ሰባት ክርድኡኻ ተዘይ ደልዮም፣ ወላ እንዳ ተረድኦም ከምዘይ ተረድኦም ኮይኖም ይቐርቡኻ። ነቲ ዘይ ምርድኦም ተረዲእካ ክትርድኦም ተኽኢልካ ግን፣ ንስኻ ብሉጽ ሰብ ኢኻ።"Sami Saye✔
25/07/2026

"ደቂ ሰባት ክርድኡኻ ተዘይ ደልዮም፣ ወላ እንዳ ተረድኦም ከምዘይ ተረድኦም ኮይኖም ይቐርቡኻ። ነቲ ዘይ ምርድኦም ተረዲእካ ክትርድኦም ተኽኢልካ ግን፣ ንስኻ ብሉጽ ሰብ ኢኻ።"

Sami Saye✔

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Saymi Saye posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share