
24/12/2024
ሚድያ ንሰላም፣ ንቓልስን ዓወትን!
ብዝኾነ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝውሰድ ልክዕ ዝሓለፈን ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ስጉምቲ ተቐባልነት የብሉን። ኣንፃር ከምዚኦም ዝበሉ ጥሕሰት ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ክንቃለስ ይግባእ።
ይኹን ድኣ እምበር፣
• ሕቶታትና ዝተበተታተኹን ኣብ መላእ ትግራይ ብሓደ ግዜ ዘይለዓሉን ምዃኖም፣
• ጭቡጥ ድሌት ለውጢ መንእሰይ ትግራይ ንውሽጣዊ ጎነፅ ሓደ ውድብ ዘውዕል ጨዋዪ ኣካይዳ ዘሎ ምዃኑ፣
• ቁልፊ ፀገም ክፍታሕ ብምግባር ካልኦት ፀገማት ክፍትሑ ዝኽእልሉ ስልቲ ዘይተኸተለን ምዃኑ
• ካብ ፍርሒ ዘይወፀ፣ ውሽጣዊ ድኽመቱን ጥንካረኡን ካብ ደገ ንዝመፆ ሓደጋን ዕድልን ንምክልኻልን ንምምዝማዝን ዘኽእሎ ዓቕሚ ዝፈጥርን ዘስእኖን ምዃኑ ዘይኣመነ፣ ዓርሱ ኽኢሉ ደው ምባል ዝተስኣኖ ፖለቲካ ዘለና ምዃኑ፣
ቃልስና ውፅኢታዊ ከይኸውን ጌርዎ እዩ።
ሓራ ሚድያን ኤቨንትን፣ ዝተዛነፉ ኣረዳድኣታትን ዝተበተነ ዓቕሚ ለውጥን ዝጠምሩሎም መደባትን ትንታነታትን፣ ናይ ውሽጢ ዓዲ፣ ዞባውን ዓለም ለኻውን ትኩስ ዜናታትን ምዕባለታት ዝከታተልልዩ ፍሉይ ናይ ትንተና መደባት ናባኹም ከብል ምድላዋቱ ዛዚሙ ኣሎ።
!
Youtube: https://youtube.com/?si=k0UvCgY4jganDqN7
page: https://www.facebook.com/profile.php?id=100090341146535&mibextid=ZbWKwL
Website: http//www.hara.et
Del dine videoer med venner, familie og verden