Hara Events

Hara Events Hara Events are working to meet your needs on your event planning, organizing and monitoring ...

ሚድያ ንሰላም፣ ንቓልስን ዓወትን!ብዝኾነ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝውሰድ ልክዕ ዝሓለፈን ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ስጉምቲ ተቐባልነት የብሉን። ኣንፃር ከምዚኦም ዝበሉ ጥሕሰት ሰብኣውን ዲሞክ...
24/12/2024

ሚድያ ንሰላም፣ ንቓልስን ዓወትን!

ብዝኾነ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝውሰድ ልክዕ ዝሓለፈን ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ስጉምቲ ተቐባልነት የብሉን። ኣንፃር ከምዚኦም ዝበሉ ጥሕሰት ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ክንቃለስ ይግባእ።

ይኹን ድኣ እምበር፣
• ሕቶታትና ዝተበተታተኹን ኣብ መላእ ትግራይ ብሓደ ግዜ ዘይለዓሉን ምዃኖም፣
• ጭቡጥ ድሌት ለውጢ መንእሰይ ትግራይ ንውሽጣዊ ጎነፅ ሓደ ውድብ ዘውዕል ጨዋዪ ኣካይዳ ዘሎ ምዃኑ፣
• ቁልፊ ፀገም ክፍታሕ ብምግባር ካልኦት ፀገማት ክፍትሑ ዝኽእልሉ ስልቲ ዘይተኸተለን ምዃኑ
• ካብ ፍርሒ ዘይወፀ፣ ውሽጣዊ ድኽመቱን ጥንካረኡን ካብ ደገ ንዝመፆ ሓደጋን ዕድልን ንምክልኻልን ንምምዝማዝን ዘኽእሎ ዓቕሚ ዝፈጥርን ዘስእኖን ምዃኑ ዘይኣመነ፣ ዓርሱ ኽኢሉ ደው ምባል ዝተስኣኖ ፖለቲካ ዘለና ምዃኑ፣

ቃልስና ውፅኢታዊ ከይኸውን ጌርዎ እዩ።

ሓራ ሚድያን ኤቨንትን፣ ዝተዛነፉ ኣረዳድኣታትን ዝተበተነ ዓቕሚ ለውጥን ዝጠምሩሎም መደባትን ትንታነታትን፣ ናይ ውሽጢ ዓዲ፣ ዞባውን ዓለም ለኻውን ትኩስ ዜናታትን ምዕባለታት ዝከታተልልዩ ፍሉይ ናይ ትንተና መደባት ናባኹም ከብል ምድላዋቱ ዛዚሙ ኣሎ።

!
Youtube: https://youtube.com/?si=k0UvCgY4jganDqN7
page: https://www.facebook.com/profile.php?id=100090341146535&mibextid=ZbWKwL
Website: http//www.hara.et

Del dine videoer med venner, familie og verden

ስነ-ስርዓት ምረቓ ፊልም "ማይ ንጉሆ"ብተስፋማርያም ዳርጌ ተኣልያ ብሸጋ ፕሮዳክሽን ተሰርሐት ሓፃር ፊልም "ማይ ንጉሆ" ሎመዓንቲ ሰኑይ 12/09/2016 ዓ.ም ስዓት 11:00 ኣጋ ምሸት ኣብ...
20/05/2024

ስነ-ስርዓት ምረቓ ፊልም "ማይ ንጉሆ"

ብተስፋማርያም ዳርጌ ተኣልያ ብሸጋ ፕሮዳክሽን ተሰርሐት ሓፃር ፊልም "ማይ ንጉሆ" ሎመዓንቲ ሰኑይ 12/09/2016 ዓ.ም ስዓት 11:00 ኣጋ ምሸት ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሲነማ ሞሞና ህንፃ ተመሪቓ ንምርኢት በቒዓ።

ኣብ ጥቕዓት ደቂ ኣነስትዮ ማእኸላ ጌራ ህዝብና ዝበፀሖ በደል እተዘንቱ እዛ ፊልም እዚኣ "ፆታዊ ጥቕዓት ዝበፀሐን ደቂ ኣነስትዮ ብሕፅረት ግንዛበ ሕብረተሰብ ዝበፅሐን ተወሳኺ በደል እትድህስስ ናይ 20 ደቒቓ ንውሓት ዘለዋ ፊልም ኾይና ብኹሎም መራኸቢ ማዕኸናት ብነፃ ንሕብረተሰብ እትልቀቕ ፊልም እያ።

እዛ ፊልም እዚኣ ብቋንቋታት ኢሮብ (ሳሆ)፣ ኩናመይና፣ እንግዚለይናን ትግርኛን ዝተሰርሐት ፊልም እያ።

ፕሮዲሰራት እዛ ፊልም እዚኣ ኣብ ምስሐይ ንትግራይ ብፍላይ እንፈልጦም ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንጡፍ ምንቅስቓስ ዝገብሩ መናእሰይ ተኽሊት ሃይላይን ብርኽቲ ሃይለን እንትኾኑ ብማእገር ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ሰ.ኣ ስፖንሰር ዝተገበረ እዩ።

መቐለ
12/09/2016 ዓ.ም

ብሩፍታና መልቲ ሚድያን ስራሕቲ ምልላይን ኣብ ዙርያ ቤተሰብ ብዝተፈላለዩ ቅዲ ንተመልከትቲ ዝቐርብ ናይ ቴሌቪዥን ሾው "ወግዒ ምስ ሜሪሾ" መድረኽ ዕላውነት ሎመዓንቲ 10 ጉንበት 2016 ዓ.ም...
18/05/2024

ብሩፍታና መልቲ ሚድያን ስራሕቲ ምልላይን ኣብ ዙርያ ቤተሰብ ብዝተፈላለዩ ቅዲ ንተመልከትቲ ዝቐርብ ናይ ቴሌቪዥን ሾው "ወግዒ ምስ ሜሪሾ" መድረኽ ዕላውነት ሎመዓንቲ 10 ጉንበት 2016 ዓ.ም ስዓት 9:00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሆቴል ዓምድና ብድምቀት ተኻይዱ።

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ርሑስ ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ክኾነልኩም ንምነ!Hara Events www.hara.et
10/04/2024

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ርሑስ ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ክኾነልኩም ንምነ!

Hara Events
www.hara.et

www.hara.et ኣብ ቀረባ እዋን!ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትሕዝቶታት   - ብዜና፣ ሪፖርታዥን ፕሮግራማትን  - ናይ ቢዝነስ ምምኻር ስራሕቲ ፓኬጃትን  - መድረኽ ምድላውን ምትሕብባርን...
09/04/2024

www.hara.et ኣብ ቀረባ እዋን!

ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትሕዝቶታት
- ብዜና፣ ሪፖርታዥን ፕሮግራማትን
- ናይ ቢዝነስ ምምኻር ስራሕቲ ፓኬጃትን
- መድረኽ ምድላውን ምትሕብባርን ስራሕቲ

ሓራ ሚድያ፣ ኣገልግሎት ምምኻርን ስራሕቲ ሕትመትን።
!

ምረቓ መፅሓፍ "ንምህፍታም ሓፂርን ቅኑዕን መንገዲ" ትርጉም : ብኬርያ ኢብራሂም ኣብ ሆቴል ኖርዘርን ስታር መቐለ ይሳለጥ።15/03/2016 ዓ.ምመቐለ!
25/11/2023

ምረቓ መፅሓፍ "ንምህፍታም ሓፂርን ቅኑዕን መንገዲ" ትርጉም : ብኬርያ ኢብራሂም ኣብ ሆቴል ኖርዘርን ስታር መቐለ ይሳለጥ።

15/03/2016 ዓ.ም
መቐለ!

ምረቓ መፅሓፍ "ሕቶ ትግራይ!" ኣብ ሆቴል ኖርዘርን ስታር መቐለ ተሳሊጡ።09/03/2016 ዓ.ም
19/11/2023

ምረቓ መፅሓፍ "ሕቶ ትግራይ!" ኣብ ሆቴል ኖርዘርን ስታር መቐለ ተሳሊጡ።

09/03/2016 ዓ.ም

 #ሕዚ! !
19/11/2023

#ሕዚ!
!

 #ሕዚ ኣብ መቐለ ሆቴል ኖርዘርን ስታርብኣተሓባባራይነት ላዛ ኤቨንትስ ብደራሲ ኣታኽልቲ ሓጎስ ዝተፅሓፈት መፅሓፍ "ትንሳኤ ትግራይን ትግራዋይነትን" ተመሪቓ።01/03/2016 ዓ.ም
11/11/2023

#ሕዚ ኣብ መቐለ ሆቴል ኖርዘርን ስታር

ብኣተሓባባራይነት ላዛ ኤቨንትስ ብደራሲ ኣታኽልቲ ሓጎስ ዝተፅሓፈት መፅሓፍ "ትንሳኤ ትግራይን ትግራዋይነትን" ተመሪቓ።

01/03/2016 ዓ.ም

04/11/2023

Address

Mekelle
06

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Hara Events posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share