Mekelle View

Mekelle View This page always provides you accurate and uptodate information!

ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ  ምስ ንተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ  ዝላታን ሚሊሲች   ዘትዮም።ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብትኹረት ከምዝሰርሑ ተ...
08/12/2025

ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ንተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝላታን ሚሊሲች ዘትዮም።

ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብትኹረት ከምዝሰርሑ ተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝላታን ሚሊሲች ገሊፆም።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ኣብ ፅቡቕ ይኹን ኣብ ሕማቕ ጊዜ ዘይተፈለየ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እንዳሰርሐ ዝመፀ ትካል እዩ ድማ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ብፕሮግራሞ ምግቢ ዓለም ንዝስርሑ ዘለዉ ምንቅስቃስ ንምርኣይ ብምምፀአይ ሕጉስ እዩ ኢሎም።

ብቐፃሊ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብትኹረት ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ብፍላይ ምስ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብምትሕብባር ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ምሕዋይ መነባብሮን ምዕባይ ተፃዋርነትን ወሰንቲ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ዝላታን ሚሊሲች ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦ ብሓገዝ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝስርሑ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ክጉብንዩ እዮም ክብል ትግራይ ቲቪ ሓቢሩ ።
Dmsi weyane

ተወካሊ ምግቢ ዓለም መቐለ ኣትዮም።🔑ተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝላታን ሚሊሲች ምስ  ላዕለዎት ኣመራርሓ  ትግራይ  ንምዝርራብ ሎሚ መቐለ ኣትዮም። 🔑ዝላታን ሚሊሲቺ ኣብ ዓለ...
08/12/2025

ተወካሊ ምግቢ ዓለም መቐለ ኣትዮም።

🔑ተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝላታን ሚሊሲች ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ንምዝርራብ ሎሚ መቐለ ኣትዮም።

🔑ዝላታን ሚሊሲቺ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባብላ ተገይርሎም ኣሎ ከም ሓበሬታ ትግራይ ቲቪ ።
29 ሕዳር 2018 ዓ.ም

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብን ( Water-Energy-Food Nexus ) ጠሚቱ ክሰርሕ ምስ ዝተጣየሸ ቴክኒካል ኮሚቴ ሎሚ ሰንበት  28 ሕዳር 2018 ዓ/ም ዘ...
07/12/2025

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብን ( Water-Energy-Food Nexus ) ጠሚቱ ክሰርሕ ምስ ዝተጣየሸ ቴክኒካል ኮሚቴ ሎሚ ሰንበት 28 ሕዳር 2018 ዓ/ም ዘተ ኣካይዶም።

እዚ ቴክኒካል ኮሚቴ/Task force/ ካብ ካብ መፅናዕቲ ዲዛይን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ፣ ቢሮ ማይ ሃፍቲ፣ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠር፣ መቐለ ዩኒቨርስቲ፣ ኢንስቲቱት ምርምር ሕርሻን ካልኦት ትካላትን ዓበይቲ ሰብ ሞያታት ዘካተተ ኮይኑ፣ ዝተውሃቦ ዕማም ካብ 2 ክሳብ 4 ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ዛዚሙ ክቕርብን፣ ሓዱሽ ኢንስቱት ፅንዓትን ምርምርን ማይን ኢነርጅን ንምምስራት ዘኽእል ውሳነ ሓሳብ ከቕርብን መምርሒ ተዋሂብዎ።

ቤት ፅሕፋት ፕረዚደንት
28 ሕዳር 2018 ዓ/ም

ድጎማ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ወረዳታት ተላኢኹ ።
06/12/2025

ድጎማ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ወረዳታት ተላኢኹ ።

59 3R - 4- CACE ፕሮጀክታት ወረዳ ወጀራት 20 ዓዲ 🌱 ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቤትፅሕፈትን  ህንፀትን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ  ኣብ ወረዳ 20 ዓዲ ወጀራት  ብገንዘባዊ ...
04/12/2025

59 3R - 4- CACE ፕሮጀክታት ወረዳ ወጀራት 20 ዓዲ 🌱

ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቤትፅሕፈትን ህንፀትን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ ኣብ ወረዳ 20 ዓዲ ወጀራት ብገንዘባዊ ሓገዝ ባንኪ ዓለም ብርክት ዝበሉ ናይ 3R-4c ፕሮጀክታት ኣብ ምምራቕን ምስልሳል ይርከቡ ።

እዚም ብምትሕብባር ገንዘብ ሚንስተርን ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ኣፈፃምነት ዝምረቑን ዝሰላሰሉ ዘለው ፕረጀክታት ኣብ ትምህርቲ ፣ ጥዕና፣ ማይ፣ ህፁፅ ምላሽ፣ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠናታት፣ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ዘተኮሩ ምዃኖም ብመተሓባበርቲ እቲ ፕሮጀክት ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ ክፍልጠ ዝተኽኣለ ኣብቲ ብር 34 ሚልዮን ባጀት ዝወደአ ፕሮጀክታት ምረቓን ዑደትን ዝተረኹቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ፣ ተወከሊልቲ ቢሮታት ምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ዞባን ኣመራርሓ እቲ ወረዳን መተሓበርትን ሰራሕተኛታትን ናይቲ ፕሮጀክ ኣብዝተረኸብሉ እዩ።

ነዞም ፕሮጀክታት ጠቕላላ መፈፀሚ ዝውዕል ባጀት ልዕሊ ብር 253 ሚልዮን ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸ ሓገዝ ከምዝተመደበሎም ካብቲ ዝረኸብናዮ ፅሕፋትን ዲስፕለይን ፕረዘንቴሽንን የመላኽት ።

ብ ኣንፃር በዝሒ ንኡሳን ፕሮጀክታት እቲ ወረዳ ክንርኢከለና ትምህርቲ 27 ፣ ጥዕና 7 ፣ማይ 25 ብድምር 59 ፕሮጀክትታት ከምዝኽና ተሓቢሩ።

ብ ኣንፃር ዝተመደበለን ባጀት ትምህርቲ ልዕሊ ብር 116.1ሚልዮን ፣ማይ ብልዕሊ ብር 51.6 ሚልዮን ፣ ጥዕና ብልዕሊ ብር 8 ሚልዮን ፣ ህፁፅ ፅገና ብር 7.4 ሚልዮን፣ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ብልዕሊ ብር 11.3 ሚልዮን ፣ ህፁፅ ምላሽ ብልዕሊ ብር 42.3 ሚልዮን፣ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ብልዕሊ ብር 16 ሚልዮን ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ።

ካሊእ 35 መፃሕፍቲ ዝተፅዓና ዘመናዊ ዴስክቶፓት ኮምፒተራት ንኻልኣይ ብርኪ ቤትምህርቲ ዓዲ-ቐይሕ ከምዝተበርከተ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዳግመህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ኢንጅነር ቴድሮስ ገ/ ሄር ኣፍሊጦም።

ኢንጅነር ቴድሮስ ገ/ ሄር እዘን ዝተፀገና ኮነ ዝተሰርሓ ፕሮጀክትታት ንብረተም ምኳነንን ናተይነት ተሰሚዕዎም ከምህዝቢ ተረባሕቲ ስለ ዝኾኑ ክሕልውወንን ክከናኸኑወንን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ።

24 ሕዳር 2018 ዓ.ም

ኣብ ወረዳ 20 ዓዲ ወጀራት ኣብ ህንፀትን ፅገናን  ዝነበሩ  ሰለስተ  ፕሮጀክታት 3R ተመሪቆም ።ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ብቤት ፅሕፈት ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ግዝያዊ ምምሕዳር ...
03/12/2025

ኣብ ወረዳ 20 ዓዲ ወጀራት ኣብ ህንፀትን ፅገናን ዝነበሩ ሰለስተ ፕሮጀክታት 3R ተመሪቆም ።

ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ብቤት ፅሕፈት ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህንፀትን ፅገናን ዝተገበረለን 2 ኣብያተ ትምህርቲን ማይመስተን ሎሚ 24 ሕዳር 2018 ዓ/ም ተመሪቐን ።

ኣብቲ ምረቓ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ኢንጂነር ቴድሮስ ገ/ሄር ብሽም ህዝቢ ዝመፀ ሃፍቲ ኣብ መዓላኡ ከምዝዉዕል ምርግጋፅን ተወሳኺ ሃፍቲ ንክመፅእ ፃዕሪ ምግባርን ካባና ዝፅበ ስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ኢንጂነር ቴድሮስ ከምዝበልዎ ፤ ትግራይ ሰፊሕ ዕንወት ዝበፅሓ ምስቲ ምዃኑ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትኹረት ዝገበሩ ፕሮጄክትታት እንትጅመሩ ክነፈፅሞ ስለዘይከኣል 3ይ ወገን መፅዩ ንክሰርሖ ሓሳብ ይቐርብ ኔሩ። ይኹን እምበር እዞም እነመርቖም ዘለና ፕሮጄክትታት
ተስፋ ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰረተ ዘንፀፈን ናይ ምፍፃም ዓቕምና ዘረጋግፅን ፕሮጀክት እዩ ኢሎም።

እዚ ሎሚ ተመሪቑ ዝኒሀ ፕሮጄክት ብልዕሊ 34 ሚልዮን ብር ዝተሰርሐ ህንፀት ሓደሽትን ፅገና ነባራት መምሀሪ ክፍሊታትን ክልተ ጣብያትት ጣብያ ዓድመስኖን ጣብያ ዓዲ ቐይሕን እንትኾና ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምቹው ኮይነን ሎሚ 24 ሕዳር 2018 ዓ ም ዝተፈላለዩ ሴክተራት ኣብዝተረኸብሉ ብዕሊ ተመሪቐን ኣለዋ።

24 ሕዳር 2018 ዓ.ም

01/12/2025

መበል 38 ዓመት ዝኽሪ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ብክልል ብርኪ ኣብ ከተማ ሽረ ይዝከር ኣሎ።

"ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ"                   ጀነራል ታደሰ ወረደ         ፕረዚደንት...
30/11/2025

"ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ"

ጀነራል ታደሰ ወረደ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምኽባር ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኣኽሱማውያን ወነንቲ ዓበይቲ ስልጣነ ዓለም ምንባሮም ብምዝኽኻር ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣቲናዮ ካብ ዘሎ ፀገም ንምውፃእን ታሪኽ ወለድና ንምድጋምን ብፍላይ እዚ ወለዶ ክሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም።

ሰላማዊ መፍትሒ ከምፅእ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ሳልሳይ ዓመቱ ኣቑፂሩ ኣሎ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ብዘይምኽኣሉ ተነፃፃሪ ሰላም ካብ ምምፃእ ሓሊፉ ኣብ ትግራይ ዘለው ፀገማት ክፈትሕ ኣይከኣለን ኢሎም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ከም ዝገለፅዎ ብመሰረት ስምምዕነት ኣብ ክንዲ መፍትሒታት ምንዳይ ቁጠባዊ ፅዕንቶ ብምፍጣር ከም መፈራርሒ ንምጥቃም ዝኽየደሉ መንገዲ ኣሎ። ናይዚ መርኣያ እውን ናይ ክልተ ወርሒ ወርሓዊ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዛጊድ ዘይምምፅኡ ጠቒሶም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሰላማውን ፖለቲካውን ልዝብ ዘይፍትሑ ፀገማት የለን ዝብል ፅኑዕ መትከል ከምዘለዎ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፤ ሐዚ እውን ንሰላማውን ፖለቲካውን ፍታሕ ቀዳምነት ክወሃቦ ፀዊዖም።

ኩነታት ልኣላዊ ወሰናት ትግራይን ተመዛበልትን እውን እንተኾነ ብሰላማውን ፖለቲካውን ፍታሕ ክረክብ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ዘይተገማቲ ኩነታት ኮይኑ ናይ ሰላም ኣማራፂ ንምስፋሕን ኲናት ንምትራፍን ፃዕሪ ኣብ ዝገብረሉ ግዘ ካብ ኣብዓላ ይኹን ቶንሳ፣ መጋለ ይኹን ያሎ፣ በራሕለ ይኹን ኮነባ፣ ሰመራ ይኹን ኣዲስ ኣበባ፣ ዋግ ይኹን ፀለምት ካብ ዝተበገሰ ይበገስ፣ ብዝተፈፀመ ይፈፀም፣ ድምፂ ዝህብ ይኹን ዘይህብ፣ ቅሉዕ ይኹን ሽፉን ጥቕዓትን ፈተነ ጥቕዓትን ፀረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ንሰላም ዝረብሖ ነገር ከም ዘየለን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዘለው ፀገማት ደጋዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም ንትግራይ የዳኽማን ተቓላዕነትና የዕብዮ ከም ዘሎን ጀነራል ታደሰ ሓቢሮም። ውሽጣዊ ፀገማትና ኣብ ምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ፍትሕን ዳይነትን ትኹረት ሂቡ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምርግጋፅ ብዕትብ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተወዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምውዳቕ ይሰርሕ ስለዘሎ እዚ ሓይሊ ህውከትን ስርዓት ኣልቦነትን ሱር ክሰድድ ይሰርሕ ብምህላው ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ብቑርፀኝነት ከሰርሕ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
21 ሕዳር 2018 ዓ/ም

30/11/2025
ፕረዚደንት ታደሰ ወረድ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣክሱም ፅዮን ተረኺቦም ።
30/11/2025

ፕረዚደንት ታደሰ ወረድ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣክሱም ፅዮን ተረኺቦም ።

30/11/2025

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mekelle View posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share