19/05/2026
ኣብ ወርሒ ጉንበትን ሰነን መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣዪኽፈልን ብዝብል ዝተፈጠረ ርድኢት ግጉይ ምዃኑ ተነፂሩ።
ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ትግራይ፥ ኣብ ኣከፋፍላ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝጠመተ መብርሂ ሂቡ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሚኪኤለ ገብረ መድህን ንተሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ኣብ ወርሒ ጉንበትን ሰነን መሃያ የለን ብዝብል ዝተትሓዘ ርድኢት ልክዕ ዘይምዃኑ ግልፂ ገይሮም።
ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ክልቲአን ኣዋርሕ ዘይተማእኸለ ኣከፋፍላ መሃያ ንከዪህሉ ምውሳኑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሚኪኤለ እቲ ውሳነ ምኽፋል መሃያ ሲቪል ሰርቫንት ጠጠው ዘብል ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።
ካብ መንግስቲ ፌደራል ይመፅእ ዝነበረ ድጎማ ብምቁራፁ ምኽንያት መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ብውሽጣዊ ዓቕሚ እናተኸፈለ ምምፅኡ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ዘይተማእኸለ ኣከያዪዳ ብምንባሩ ግና እቲ ሓደ ረኺቡ እቲ ካሊእ ዘዪረኽበሉ ኵነታት ተፈጢሩ ምፅንሑ ገሊፆም።
ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ብምዕላም ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ዘዕረፎ ውሳነ መሰረት ውሽጣዊ ዓቕሚ ዘገናዘበን ዝተማእኸለን ምኽፋል መሃያ ከምዝህሉ ዝጠቐሱ ኣይተ ሚኪኤለ፥ ምሉእ መሃያ ዘየኽፍል ደራቲ ኩነታት እንተተፈጢሩ እውን እቲ ዝተረኸበ ዓቕሚ ንኩሉ ሰራሕተኛ ብማዕረ ሚኢታዊ ከምዝኽፈል ኣረጋጊፆም።
ኣብ ከተማታትን ወረዳታትን ዝርከብ እቶት ተማእኺሉ እንትመሓደር ምዕሩይ ኣከፋፍላ መሃያ ንክህሉ ዝሕግዝ ብምዃኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሃፍቲ ንምምእኻል ዓሊሞም ዝወርዱ መደባት መንግስቲ ብምሉእነት ንከፈፅሙ እቶም ሓላፊ ቢሮ ኣተሓሳሲቦም።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ፥ እቶት ዘደንፍዑ መንግስታዊ መደባት ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ ነቲ ዕላማ ንዝዕንቅፉ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንክቃለሱን ሃፍቲ ትግራይ ክዓቢ ዘኽእል ሓላፍነት ዝተሰከሙ ምዃኖም ፈሊጦም ክንቀሳቐሱን እቶም ሓላፊ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ልዑል ቅልውላው መነባብሮ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ፥ ፅንዓትን ብሄራዊ ስምዒትን ብምውናን ንዘጋጠሞም ሽግር ፀኒዖም ክሰግሩ እውን ኣይተ ሚኪኤለ ፀዊዖም።